ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፍሪቃዊያን ነዊሕን ጥዑይ ህይወት ይመርሑ ከምዘለው ዓለምለኸ ውድብ ጥዕና ገሊጹ


ውዱብ ጥዕና ዓለም(WHO) ኣፍሪቃዊያን ነዊሕን ጥዕና ዘለዎን ናብራ ይነብሩ ኣለው ኢሉ።ሎሚ እውን እንተኾነ ግን ሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ብድሆ ብርቱዓት ሕማማት ከምዘለዎም እቲ ትካል ወሲኹ የጠንቅቕ።

ኣብ ዋና ከተማ ዳካር ሰኔጋል ምስ ሰበስልጣን 47 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተራኸበ ውዱብ ጥዕና ዓለም(WHO) ኣፍሪቃዊያን ብፅቡቕ ጥዕና ነዊሕ ዕድመ ይነብሩ ኣለው ኢሉ።

ኣብ 2015 ዓ.ም 44.4 ዓመታት ዝነበረ ማእኸላይ ዕድመ ሰብ ናብ 53.8 ዓመታት ደይቡ።ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓፈሻዊ ንውሓት ዕድመ ናብ 61.2 ዓመታት ደይቡ’ሎ።

ማትሺዲሶ ሞቲ ናይቲ ትካል ናይ ኣፍሪቃ ዞባዊ ዳይረክተር እያ።

“እዚ ውፅኢት ዝመጸ ኣብ ናይ ኤችኣይቪ ኤድስ ሕክምና ዓብይ ምዕባለ ስለዝተርኣየን ኣብ ዓሶ ዝሓሸ ምክልኻልን ኣተሓሕዛን ስለ ዘሎን እዩ።”

ብሰንኪ ሕማም ውጽኣት፣ናይ መተንፈሲ ረኽስን ኤችኣይቪን ቁጽሪ ዝሞቱ የንቆልቁል ኣሎ።ከም ካንሰርን ሕማም ልብን ዝኣመሰሉ ሕማማት ግን ተወሳኺ ህይወት የጥፍኡ ምህላዎም ተገሊጹ’ሎ።

ቁጽሪ ብዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ናይ ዝሞቱ በዝሒ ከምዘለዎ እቲ ውድብ ዝገለጸ ክኸውን ከሎ ኣብ ኣፍሪቃ ቀንዲ ምኽንያት ሞት ዝኾኑ 10 ሕማማት ግን ብ40 ሚእታዊት ነክዮም’ዮም ኢሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG