ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

153 ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ግዒዞም



153 ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ምግዓዞም ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። እዚ ድሕሪ ዓለምለኸ ለበዳ ቫይረስኮሮና ምግጣሙ ዝተኻየደ ፈላማይ ምግዓዝ ስደተኛታት'ዩ።

እቶም ስደተኛታት ካብ ኤርትራ: ሶማል: ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝመጹ ኮይኖም 16 ስድራቤታትን 15 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝርከብዎም ምዃኖም ተሓቢሩ'ሎ ።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ክነብሩ ዝጸንሑ ምዃኖም ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።


ወሃቢ ቃል ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት አንድረ ማሂክ እቶም ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታትን ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ክነብሩ ዝጸንሑ እዮም።

"ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናይ ምግዓዝ መስርሕ ዳግም ምጅማሩ ነቲ ተአፋፊ ኩነታት ሊብያን ቅልጡፍ ዝርግሓ ቫይረስ ኮሮና ከምኡ'ውን ኣብ ስደተኛታት ዘለዎ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ጽልዋ ኣብ ግምት ብምእታው ኣገዳሲ መስርሕ'ዩ" ክብሉ ማሂክ ሓቢሮም።

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ቁጽሪ ቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ኣብ ሊብያ 46,600 ክኸውን ከሎ ዝሞቱ ድማ 681 እዩ። እቶም ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ዝገዓዙ ስደተኛታት ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተገብረሎምን ኣሉታዊ ውጽኢት ዝረኸቡ ምዃኖም ንዝያዳ ጥንቓቀ ድማ ኣብ ኒጀር ንክልተ ሰሙን ኣብ ውሸባ ከምዝጸንሑ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ'ሎ።

ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣንድረ መሂክ ኣስታት 3,400 ስደተኛታት ሓትቲ ዑቕባን ኣብ ብመንግስቲ ዝመሓደሩ መዳጎኒ ማእከላት ከምዘለው ሊብያ ከምዝርከቡ ወሲኾም ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG