ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ትራምፕ ብወግዒ ምርመራ ክካይድ ኣፍሊጠን


ዲሞክራቲክ ኣፈ ጉባኤ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ናንሲ ፖለሲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራሞፕ ካብ መዝነቶም ንምውራድ ዘኽእል መስርሕ ምርመራ ብወግዒ ክጅመር ትማሊ ሶሉስ ኣፍሊጠን። ንሰን ነዚ ዘፍለጣ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ 2020 ንዝካየድ ምርጫ ሓገዝ ወጻኢ ሃገራት ሓቲቶም’ዮም ዝብል ክሲ ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን’ዩ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንመቐናቕንቶም ዝኾኑ ተወዳዳሪ ምርጫ 2020 ጆ ባይደንን ስድራቤቶምን ምርመራ ክካየድ ንናይ ዩክሬን ፕረዚደንት ጸቕጢ ጌሮም’ዮም ዝብል ሓበሬታ ድሕሪ ምውጽኡ 173 ዲሞክራት ተወከልቲ ህዝቢ ፕረዚደንት ካብ መዝነቶም ክወርዱ ዘኽእል ምርመራ ክካየድ ጸዊዖም ኣለው።

“ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ መዝነቶም ክወርዱ ዘኽእል ምርመራ ብወግዒ ክጅመር ወሲኑ’ሎ። ንሽዱሽተ ኮሚተታት ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ምርመራኦም ክጅምሩ ፈቒደ’ለኹ። ፕረዚደንት እውን እንተኾኑ ተሓታቲ ክኾኑ ኣለዎም ማንም ልዕሊ ሕጊ ኣይኮነን።”

ይኹን ደአ እምበር ፕረዚደንት ትራምፕ ቤት ምኽሪ ንዘጽደቖ ሓገዝ ንዩክሬን ከይወሃብ ምክልካሎም ኣይነጸጉን።

“እቲ ሓገዝ ተኸፊሉ’ዩ። ብምሉእ ተኸፊሉ’ዩ። ናተይ ተቓውሞ ዝነበረ ኣውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ነቲ ናይ ዩክሬን ሓገዝ ክሳብ ዘየበርኸታ ነቲ ሓገዝ ደው ምባለይ ክቕጽል’ዩ።”

ሓድሽ ዝተቓልዐ ሓበሬታ ንብዲሞክራት ዝዕብለል ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ደገፉ ንመስርሕ ምእላይ ፕረ. ትራምፕ ካብ መዝነት ዝብል ሃሳብ ደገፎም ክውሕዝ ጌሩ’ዩ።

ዲሞክራቲክ ተወካሊ ህዝቢ ሓሙሻይ ክፍለ ግዝኣት ጆርጅያ ዝኾኑ ጆን ሊውስ ነዚ መስርሕ ከነደናጉዮ ወይ ክንጽበይ የብልናን። ሕጂ ጊዜኡ ስጉምቲ ዝውሰደሉ’ዩ ክብሉ ርእይትኦም ሂቦም።

ካልእ ዲሞክራት ተወካሊ ቶም ማሊውስኪ ድማ ብዙሕ ዘስካሕክሑ ተግባራት ኔሮም እንድዮም ግን ምስዚ ዝወዳደር የለን። ፕረዚደንት እወ ውዲት ኔሩኒ እሞ እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ ይብል ኣሎ ማለት እዩ ኢሎም።

ብኣንጻሩ ደገፍቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝኾኑ ተወከልቲ ህዝቢ ግን እዚ ስጉምቲ ኣፈ ጉባኤ ቃላት ጥራይ’ዩ ይብሉ።

ኬቨን ማካርቲ ንሳ በይና ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ መዝነቶም ክወርዱ ዘኽእል መስርሕ ምርመራ ክጅመር በይናዊ ስጉምቲ ክትወስድ ኣይትኽእልን’ያ። እዚ ትማሊ ዝበለቶ ካብቲ ቕድሚ ሕጂ ዝበሃል ዝነበረ ፍልልይ የብሉን ይብሉ።

ብሪፖብሊካን ዝዕብለል ሰነት እውን እቲ ዝተቓልዐ ክሲ ወግዓዊ ክከውን ይሓትት ኣሎ።

ተወዳዳሪ ምርጫ 2020 ዝኾኑን ኣቐዲሞም ምክትል ፕረዚደንት ኮይኖም ዘገልገሉ ጆ ባይደን ብወገኖም ፕረ. ትራምፕ ምስዚ እንተዘይተሰማሚዖምን ንቤት ምኽሪ ምዕጋትን ንሕጊ ምቕዋምን እንተቐጺሎም ቤት ምኽሪ ንፕረዚደንት ካብ መዝነቶም ናይ ምውራድ ስጉምቲ ክወስድ ከገድድዎ’ዩ እዚ ድማ ዘሕዝን ፍጻመ’ዩ ግን ኸአ ፕረዚደንት ባዕሎም ብዝፈጠርዎ ዝመጸ’ዩ ኢሎም።

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ እዚ ጉዳይ ሃገራዊ ጸጥታ ምዃኑን ዋላ’ኳ ዝበዝሑ ኣሜሪካዊያን ነቲ ንፕረዚደንት ካብ መዝነቶም ምውራድ ዝብል መስርሕ እንተተቓወሙ ንኩሎም ዜጋታት ዝምልከት ጉዳይ’ዩ ኢሉ’ሎ።

ተወካሊት ህዝቢ ክፍለ ግዝኣት ሚነሶታ ዝኾነ ኢልሃን ዑመር ብወገና ፕረዚደንት ንመቐናቕንቶም ከወግዱ ሓገዝ ሓንቲ ሃገር ምክልካሎም ዘይሕገመንግስታዊ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ጉዳይ ንምንጻር ዘለና ዕድል እዩ” ክትብል ርእይቶኣ ሂባ’ላ።

አባላት ቤት ምኽሪ ምርመራ ኣብ ዝጅምረሉ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ምስክርነት ነቲ ሓበሬታ ዘቓልዐ ከምዝሰምዑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG