ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ትራምፕ ዝውገደሉ እማመ ኣውጺኣ


ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ናንሲ ፐሎሲ፡ ትራምፕ ዝውገደሉ እማመ ኣውጺኣ።

ካቢነ ትራምፕ ነቲ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዘሎ ዝተመሓየሸ ዓንቀጽ 25 ተጠቒሞም ንፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ስልጣን ከልግስዎ እታ ኣፈጉባኤ ውሳነታት ተዳሉ`ላ።

ንሳ ናብ ደሞክራቲክ ብጾታ ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳበ፡ ምኽትል ፕረዚደንት ማይክ ፐንስ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት እንተዘይመሊሱ፡ እቲ ባይቶ ናብ መስርሕ ክሲ ምውራድ ስልጣን ማለት ናብ ኢምፒችመንት ክሓልፍ`ዩ ኢላ`ላ።

ፐሎሲ"ሕገ-መንግስትናን ደሞክራስናን ንክንሕሉ፡ ቅጽበታዊ ስጉምቲ ክንወስድ ኣለና-ምኽንያቲ እዚ ፕረዚድነት`ዚ ንኽልቲኡ ቅጽበታዊ ስግኣት ኮይኑ`ሎ"ኢላ ።

ካብ ትራምፕ ኮነ ካብ ዋይት ሃውስ ንፐሎሲ ዝተዋህበ ምላሽ የለን ።

XS
SM
MD
LG