ዋሽንግተን —
ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ናንሲ ፐሎሲ፡ ትራምፕ ዝውገደሉ እማመ ኣውጺኣ።
ካቢነ ትራምፕ ነቲ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዘሎ ዝተመሓየሸ ዓንቀጽ 25 ተጠቒሞም ንፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ስልጣን ከልግስዎ እታ ኣፈጉባኤ ውሳነታት ተዳሉ`ላ።
ንሳ ናብ ደሞክራቲክ ብጾታ ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳበ፡ ምኽትል ፕረዚደንት ማይክ ፐንስ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት እንተዘይመሊሱ፡ እቲ ባይቶ ናብ መስርሕ ክሲ ምውራድ ስልጣን ማለት ናብ ኢምፒችመንት ክሓልፍ`ዩ ኢላ`ላ።
ፐሎሲ"ሕገ-መንግስትናን ደሞክራስናን ንክንሕሉ፡ ቅጽበታዊ ስጉምቲ ክንወስድ ኣለና-ምኽንያቲ እዚ ፕረዚድነት`ዚ ንኽልቲኡ ቅጽበታዊ ስግኣት ኮይኑ`ሎ"ኢላ ።
ካብ ትራምፕ ኮነ ካብ ዋይት ሃውስ ንፐሎሲ ዝተዋህበ ምላሽ የለን ።