ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ብፍቓደን ካብ መዝነተን ለቒቐን


ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ብፍቓደን ካብ መዝነተን ከምዝለቐቓ ገሊፀን:: ወይዘሮ ኬሪያ ንማዕኸናት ዜና ክልል ትግራይ ኣብዝሃብኦ መግለፂ ካብ ሓላፍነትን ክለቃ ዝወሰና ሕገ መንግስቲ ኣብዛ ሃገር ይጠሓስ ስለዘሎ ኣብኡ ተሓባባሪት ንዘይምኻን እዩ ኢለን::

ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሎሚ ንማዕኸናት ዜና ክልል ትግራይ ኣብዝሃብኦ መግለፂ መዝነተን ብፍቓደን ንምልቃቕ ዝወሰና "ሕገ መንግቲ ኢትዮጵያ በብመዓልቲ ይጠሓስ ስለዘሎ እዩ" ኢለን:: ብተወሳኺ ድማ "ውልቀመላኽነት ምስ ዘሰጉም ጉጅለ ብሓባር ንምስራሕ ፍቓደኛ ኣይኮንኩን" ብምባል ተዛሪበን:: ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ጉዳይ ምርጫ ትርጉም ሕጊ ብምእላሽ ስልጣን ንምንዋሕ ይፍፀም ዘሎ ዘይሕገ-መንግስታዊ እዩ ዝበላ ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል ብዘይ ህዝበ ውሳነ ኣብ ዘለዎ ንምፅናሕ ብምውሳኑ ዘይሕገ-መንግስታዊ ብዝኾነ ብዘይተለመደ መንገዲ ሕገ መንግስቲ ክትርጎም ድፊኢት ይግበር ኣሎ ኢለን:: እዚ ድማ ብቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ውሳነ ከይተውሃቦ ኣቐዲሙ ዝተወሰነ እዩ ብምባል እዚ ድማ ዓብዪ ታሪኻዊ ስሕተት እዩ ብምባል ተዛሪበን::

ኣብዚ ከይዲ ምስታፍ ብሕገ መንግስቲ ዝተውሃበኒ ሓላፍነትን ንጎኒ ምግዳፍ ብተወሳኺ ድማ ጠጠው ንዝበልኩሉ ዕላማ ምፅራርን ሕልናይ ድማ ዘይቕበሎ እዩ ብምባል ብፍቓደን ካብ መዝነተንምልቃቐን ኣፍሊጠን::

"ንሕገ መንግስቲ: ንህዝበይን ሕልናይን ንዝኣተኹዎ ቃል ንምኽባር ክብል ብፍቓደይ ካብ ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ዝተሰናበትኹ ምዃነይ የፍልጥ ኣለኹ" ኢለን::

ወይዘሮ ኬርያ ኣብ ዘረብአን ናብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ይቐርብ ዘሎ ትርጉም ሕጊ ኣቐዲሙ ዝተወሰን ሕጋውነት ንምልባስ እዩ ብምባል ተቓውመአን ገሊፀን:: ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ዝኾና ወይዘሮ ኬርያ: ህዝቢ ትግራይ ‘ኣመሓደርተይ ክመርጽ እየ’ ብምባሉ ኲናት ተኣዊጅዎ ብምባል ድማ ነቲ መዝነት ምልቃቐን ገሊፀን::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG