ቀዳም ብዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ናይጀሪያ፡ ውጽኢት ምርጫ ክንገረሉ ኣብ ዝጀመረ እዋን፡ ብሕልፊ ኣብ ከተማ ሌጎስ ትጽቢት ዘይተገብሮ ውጽኢት ምምዝጋቡ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብቲ ቦታ ልኢኹ። ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ ናይጀሪያ ኣብ ዝዘርግሖ ፈላሚ ውጽኢት ምርጫ፡ ገዛኢ ሰልፊ እታ ሃገር ይመርሕ ምህላዉ ሓቢሩ ኣሎ። እንተዀነ ኣብታ ቀንዲ ማእከል ቍጠባ ዝዀነት ሌጎስ፡ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ተወዳደሪ ፔተር ኦቢ ተዓዊቱ ኣሎ።
እቲ ነዊሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ሃገራዊ ምርጫ ናይጀሪያ፡ ናይ ቀዳም ምውሃብ ድምጺ ብተዛማዲ ሰላም ምሕላፉ ተሓቢሩ ኣሎ። እንተዀነ ሰፊሕ ምብልሻው መድመጺ ማሺናትን ምድንጓያትን ብምግጣሙ ካብቶም ድምጾም ክህቡ ትጽቢት ዝተገብረሎም ውሑዳት ጥራይ’ዮም ተሳቲፎም።
ነቲ ሕጂ ዕድመ ስልጣኑ ዝውድእ ዘሎ ፕረዚደንት መሓመዱ ቡሃሪ ንምትካእ 18 ተወዳደርቲ ቀሪቦም ኣለዉ። እንተዀነ እቶም ዓቢ ግምት ዝወሃቦም ሰለስተ ኰይኖም ካብ ገዛኢ ሰልፊ ቦላ ቲኑቡን ገስጋሲ ሰልፊ ኣቲኩ ኣቡብከር ክዀኑ እንከለዉ፡ ካብተን ቀንዲ ተወዳደርቲ ሰልፍታት ወጻኢ ዝዀነ ፔተር ኦቢ ካብ ሰልፊ ዕዮ ድማ እቲ ሳልሳይ’ዩ።
ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር፡ ጠቕላላ ውጽኢት ምርጫ ንምፍላጥ ጌና ብምዃኑ፡ ህዝቢ ብትዕግስቲ ክጽበን ተወዳደርቲ ድማ ዘድሊ ምትሕባር ክግበሩን ይውጽዕ ኣሎ።
ናይጀሪያ ሓያሎ ቍጠባዊን ማሕበራዊን ጸገማት ትቃለስ ምህላዋ ይሕበር። ቅድሚ’ዚ ምርጫ ናይ ባጤራ ለውጢ ብምግባራ ድማ ነቲ ተሃስዩ ዝጸንሐ ቍጠባ እታ ሃገር ናብ ዝገደደ ነውጺ ሸሚሙዎ ቀንዩ።