ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣጻራይ መረዳእታ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኢትዮጵያ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ቕትለት ይፍጽም ኣሎ ክብል ይኸስስ


ብመሰረት መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ፋና ኣካል ናይ ኣዋጅ ህጹጽ ኢትዮጵያ ግዜ ዝኾነ ኣጻራይ መረዳእታ ኣሸባሪ ኢሉ ዝጸውዖ ህወሓት ድሕሪ ምውጻእ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ሰባት ቅትለት ይፍጽም ኣሎ ክብል ኣፍሊጡ።

ህወሓት ኣብ ነበርቲ ከተማታት ክልል ትግራይ ዝተፈላለየ መጥቃዕቲ ይፍጽም ኣሎ ዝበለ እቲ ኣጻራይ መረዳእታ ህጹጽ እዋን፡ ምስ ግዚያዊ ምምሕዳርን ምስ ምክልኻልን ተሓባቢርኩም ብዝብል ሰባት ይቐትል ኣሎ-እዚ ድማ ኣብቲ ኽልል ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝፈጥር`ዩ ኢሉ።

እቲ ኣጻራይ መረዳእታ ህጹጽ እዋን ብተወሳኺ፡ ህወሓት ከምቲ መንግስቲ ዝገበሮ ተኹሲ ደው ኣብ ክንዲ ዘብል፡ ንኢትዮጵያውያንን ንዓለምለኸ ማሕበረሰብን ብናይ ሓሶት ናይ ዓወት ፕሮፓጋንዳ፡ ንምትላልን ትኹረት ንምርካብን ብዝገብሮ ምዕልባጥ፡ ንወሃብቲ ረድኤት ትካላት ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ የእትዎም ምህላዉ፡ ኢትዮጵያውያንን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ክግንዘቡ ይግባእ ክብል ኣገልግሎት ዜና ፋና ሓቢሩ።

ብዛዕባ ክሲ፡ ካብ ህወሓት ምላሽ እንተረኺብና ክነቕርብ ኢና።

XS
SM
MD
LG