ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከተማ አላማጣ ኣገልግሎት ኤሌትሪክ ክረክብ ምጅማሩ ሰብ-መዚ ገሊጾም


ከተማ አላማጣ- ፋይል
ከተማ አላማጣ- ፋይል

ኤለክትሪክ ተቛሪጽዎ ዝጸንሐ ከተማ ኣላማጣን ከባቢኡ ኣገልግሎት ክረክብ ጀሚሩ።

ብሰንኪ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ተቛሪጽዎም ካብ መንጎ ዝጸንሐ፡ ከተማ ኣላማጣን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ቀበሌታትን ካብ ትማሊ ጀሚረን ኣገልግሎት ክረኽባ ምጅማረን በዓል-ስልጣን ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ካልኦት ከተማታት ክልላት ኣምሓራን ትግራይን`ውን ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ዝረኽባሉ ኩነታት ተፈጢሩ ከምዘሎ እቲ በዓል ስልጣን ኣፍሊጡ`ሎ።

ካብ ከተማ ቆቦ 30 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ ኣላማጣ ንብርክት ዝበለ ኣዋርሕ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ካብ ዘይረኸባ ከተማታት ሓንቲ`ያ።

ይኹን`ምበር ካብ ቆቦ 15 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ ዋጃ ግን ኣብ መስመር ዘሎ ኣግራብ ብዘይምልጋሱ ሓይሊ ኤለክትሪክ ንምቕራብ ጸገም ከምዝኾኖም ሰበ-ስልጣን ይገልጹ`ለዉ።

XS
SM
MD
LG