ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣገልግሎት ስለያ ሱዳን ኣብ ገለ ሰበ ስልጣን መንግስቲ እታ ሃገር እገዳ መገሻ ኣየንበርኩን ኢሉ


ፓርላማ ሱዳን- ፋይል
ፓርላማ ሱዳን- ፋይል

ኣገልግሎት ስለያ ሱዳን ኣብ ገለ ሰበ ስልጣን መንግስቲ እታ ሃገር ፣ እገዳ መገሻ ኣየንበርኩን ኢሉ።

ኣብ’ዚ ቅነ ዝተዘርግሑ ሪፖርታት ግና፣ ናብ ግብጺ ክገይሽ ተቀሪቡ ዝነበረ ፍሉጥ ኣባል ሓደ ሃገራዊ ኮሚቴ፣ ኣብ ዝርዝር ካብ’ታ ሃገር ንከይወጹ ዝተካተቱ ኮይኑ ስለዝተረኸበ እዩ ከምዝተባሃለ ተጠቂሱ ነይሩ።

ሱሊማን ባልዶ ዝተባሃለ ተንታን ኩነታት ሱዳንን ቀርኒ ኣፍሪቃን "እዚ ጊዜ’ዚ፣ ኣብ ሞንጎ ሰራዊትን ሲቪላዊ መሪሕነትን ሓያል ውጥረት ዝተፈጠረሉ እዋን እዩ" ክብል ይገልጾ።

ባልዶ ወሲኹ "ኣብ ልዕሊ ገለ መንግስታዊ ሰበ ስልጣን እገዳ መገሻ ምንባር፣ ዕላምኡ፣ ሰራዊት ዝሰፍሐ ቦታ ኣብ ምምቕራሕ ስልጣን ንክሕዝ ካብ ሞንጎ ዝትግበሩ ስጉምቲታት’ዩ" ኢሉ።

XS
SM
MD
LG