አዲስ አበባ —
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝመጽእ ረቡዕ ጀሚሩ ናብ ኣስመራ በረራ ከምዝጅምር አፍሊጡ።
እቲ መንገዲ ኣየር ዘመናዊ ቦይንግ ድሪም ላይነር 787 ነፋሪት ናብ ኣስመራ ዝገብሮ በረራ ድሕሪ 20 ዓመታት ተቋሪጹ ምጽንሑ’ዩ።
እዚ ስጉምቲ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድን ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ስምምዕ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነት ትማሊ ሶኑይ ድሕሪ ምፍርራሞም’ዩ ተወሲኑ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ናይ ቀዳማይ ሚንስተር አብይ አሕመድ ናይ ኣስመራ ዑደት ስዒቡ ዝጀመረ መስመር ቴሌፎን ዜጋታት ክልቲኣን ሃገራት ብስሩዕ መስመር ኾነ ብተንቀሳቃሲ ቴሌፎን ኣገልግሎት ቴሌፎን ክዘራረቡ ጀሚሮም ኣለው።
ኢትዮ ቴሌ ኮም ብዛዕባ ቁጽራት መደወልን ቀረጽን መግለጺ ሂቡ’ሎ። እቲ ዝምድና ክልቲኣን ህዝብታት ኣብ ግምት ብምእታው’ውን ናይ ቀረጽ ምትዕርራይ ኣብ ቀረባ ከምዝገበር ወሃቢ ቃል ኢትዮ ቴሌ ኮም አቶ ዓብደራሕማን አሕመድ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም ኣለው።
ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ክድውሉ ዝደልዩ 291-1 ቁጽሪ፡ ናብ ሞባይል ዝድውሉ ድማ 291-7 ቁጽሪ ብምጥቃም ክድውሉ ከምዝኽእሉ አቶ ዓብድራሕማን ገሊጾም ።