ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሰብ-ዋኒን መሸጣ ወርቂ ንብረቶም ከም ዝተወስደ ተሓቢሩ


ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ከባቢ ፒያሳን መርካቶን ዝርከቡ ትካላት ንግዲ ወርቂ 21 ጥቅምቲ 2015 ወይ 31 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ሲቪል ክዳን ዝተኸድኑ ፖሊስ መጺኦም ንብረት እቲ ትካላት ወሲዶም፡ ሰራሕተኛታትን ወነንቲ እተን ትካላትን ከም ዝወሰዱዎም ስሞም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ምንጭታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ንድሕነቶም ስሞም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ምንጭታት፡ ዛጊት በጺሖሞ ብዘለዉ ሓበሬታ መብዛሕትኦም እቶም ንብረቶም ዝተወስደን ትካላቶም ዝተዓጽወን ተወላዶ ትግራይ’ዮም።

ከም ሓበሬታ ናይ ቀረባ ምንጭታት፡ እቶም ነቲ ተግባር ዘካየዱ ኣካላት ናይ ቤት ፍርዲ ወረቐት ኣየቕረቡን። እቶም ንብረት ዝወስዱ ዝነብሩ ኣካላት እቲ ንብረት ናብ ባንክ ይውስድ ከም ዘሎ’ዮም ገሊጾም። ብዛዕባኡ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን።

ልክዕ ቍጽሪ ናይቶም ንብረቶም ዝተወስደሎምን ትካሎም ዝተዓጽዎምን ዜጋታት ንምፍላጥ እኳ እንተ ዘይተኻእለ፡ ኣብ ከባቢ ፒያሳ ጥራይ ከባቢ 20 ትካላት ተዓጽየን ከም ዘለዋ ኣብቲ ቦታ ዝበጽሑ መሰኻኽር ዓይኒ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ድምጺ ኣመሪካ ግብረ መልሲ ንምስምዕ ናብ ኣሃዱ መራኸቢታት ፖሊስ ኣዲስ-ኣበባን ፈደራልን ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰለጦን።

XS
SM
MD
LG