ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ኸሎ ድሙቕ ኣቀባብላ ዝተጸበዮ ቀ/ሚ ኣቢይ፡ነቲ ሽልማት ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ብምዃን ከምዝጽንብሎ ተዛሪቡ


ተዓዋቲ ሽልማት ኖብል ሰላም 2019 ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሽልማቶም ተቐቢሎም አዲስ አበባ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ድሙቕ ኣቀባብላ ተጌርሎም ኣሎ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ አዲስ አበባ ከባቢኣን ብናይ ሙዚቃ ባንድ ዝተዓጀበ ምርኢት ተቐቢልዎሞ።

ኣብ መዓርፎ ነበርቲ ምስ በጽሑ ንጋዜጠኛታት ሕጽር ዝበለ መግለጺ ዝሃቡ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ እቲ ሽልማት ኖበል ንሃገሮምን ነቲ ዞባን ዘለዎ ትርጉም ተዛሪቦም።

እቲ ዝተረኽበ ሽልማት ካብ ካልኦት ዓወታት’ውን ንክድገም ክንሰርሕ ይግባእ ዝበሉ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ እቲ ዝተረኽበ ሽልማት ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብምዃን ከምዝጽንብልዎ ተዛሪቦም ኣለው።

እዚ ምስሊ ሃገሮም ኣብ ዓለምለኸ መድረኽ ብዝለዓለ ደረጃ ክጽዋዕ ዝኽእል ምዃኑ ዝተዛረቡ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ፡እቲ ሽልማት ክውን ንክኸውን ብዙሓት ኣዴታት ተጨኒቐናሉ’የን ኢሉ።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድድኻታት እንተኾና`ውን ንኻልኦት ክንረድእ እንኽእል ሃገር ኢና ድሕሪ ምባል ንህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣመስጊኖም ፡።

“ሎሚ ንኢትዮጵያ ኤርትራን ከምኡ’ውን ንምብራቕ ኣፍሪቃ ብደረጃ ዓለም ልዑል ትኹረትን ስምን ዝረኸብናሉ ዕለት ክኸውን ከሎ ፡ንዓኻትኩም ንኹልኻትኩም ንምውካል ኣብቲ ቦታ ተረኺበ ንኢትዮጵያ ንኤርትራን ንምብራቕ ኣፍሪቃን ዘለዎ አጠማምታ ቕድሚ ሎሚ ካብ ዝነበረ ብዝተፈለየ መንገዲ ትኹረት ንክረክብን ኣብዘን ሃገራት ታሪኽ ክስራሕ ከምዝኽእልን ንኽሓስቡ ናይ ምዝኽኻር ስራሕ ንምስራሕ ዕድል ረኺበ’ለኹ።”

ኢትዮጵያ ብዙሓት ጀጋኑ ዘለውዋ ሃገር`ያ፡ ተደጋጊፍና ኣብ ዓወት እንተበጺሕና ትሩፋቱ ንኹሉ ዝባጻሕ ምዃኑ ካብ`ዚ ናይ`ዚ ሽልማት`ዚ ምምሃር ይክኣል`ዩ ኢሉ።

“ብውሁድ ቅልጽም ብዝተሰማምዑ መንነት ሃገርና ካብ ዘላትሉ ኩነታት ናብ ብልጽግና ንኽትሰጋገር ብሓባር ንግሆን ምሸትን ተጊህና ክንሰርሕ፡ ኹናት፡ ድኽነት፡ ጉስቁልና፡ ኸምኡ’ውን ናይ ግጭት ታሪኻትና ንኸብቅዕን፡ ናይ ምትሕብባር፡ ናይ ምስምማዕን ኢሂን-ምሂን ምብህሃልን ልምዲ ነማዕብል።ብሓባር ኾይና ሃገር ናይ ምቕያርን ንሕና’ውን ኸም ካልኦት ክንረድእ ንኽእል ሃገር ንክንኽውንን፡ ነዚ አጋጣሚ ክንጥቀመሉ ብልዑል ትሕትና እሓተኹም ኣለኹ።”

እቲ ዝተረኽበ ሽልማት ኣብ ካልኦት ዓወታት’ውን ንክድገም ክንሰርሕ ይግባእ ዝበሉ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ እቲ ዝተረኽበ ሽልማት ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብምዃን ከምዝጽንብሎ ተዛሪቡ`ሎ።

“ንህዝቢ ኢትዮጵያን ንህዝቢ ኤርትራን ከመስግን እደልይ።ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብፍሉይ መንገዲ ከመስግኖም እደልይ። ኣብ ቀረባ ከምንራኽብን ብሓባር ክንጽንብልን ተስፋ እገብር። እንቋዕ ደስ በለኹም፡ እንቋዕ ደስ በለና።”

ተሸላሚ ኖቤል ሰላም 2019፡ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ዝተረኽበ ሽልማት ኖቤል ሰላም፡ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብስምዒት ፍቕሪ ሃገር፡ ሓቢርካ ናይ ምናብር ምንፈስ ብምሕያል፡ ሃገሩ ንምዕባይ ክጥቀመሉ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG