ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዲስ ኣበባ: ብሰንኪ ዝተፈጥረ ዕግርግር ስነ ስርዓት ስግደት ዒድ ኣልፈጥር ተሰናኺሉ


ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ስነስርዓት ስግደት በዓል ዒድ ኣልፈጥር በሰንኪ ዝተፈጥረ ዕግርግር ተሰናኺሉ።ምኽኒያት ናይቲ ረብሻ ፖሊስ ተባሪቑ ተተኵሱ ዝበሎ ዘንብዕ ጋዝ ምዃኑ ናይ ኣዲስ ኣበባ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት'ቲ ቤት ምኽሪ ሱልጣን ሓጂ ኣማን ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ካብ ፖሊስን ወለንተኛታት ኣተሓባበርትን ብዝረኸቡዎ ሓበሬታ ርእይትኦም ንድምጺ ኣመሪካ ሂቦም ኣለው።ብሰንኪ እቲ ዕግርግር ዝጠፍአ ህይወት ሰብ ከምዘየለ እውን ገሊፆም።

ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ፌስቡክ ገፁ ኣብ ዘውፅኦ መግልፂ ድማ ነቲ ረብሻ ዘልዓሉ ሒደት ውልቀሰባት ምዃኖምን በዚ ምኽኒያት ድማ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት ከምዝወረደ ሓቢሩ።ኣብቲ ዕግርግር ተሳቲፎም ዝተባህሉ ዝተኣሰሩ ከምዘለው እውን ተፈሊጡ ኣሎ።

በቲ ዕግርግር ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ካብ ዝወረደ ንእሽተይ ጉድኣት ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ መንግስቲ ዝገለፀ ክኸውን ከሎ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ እውን መረዳእታ ከምዘይበፅሖ ኣፍሊጡ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተፈጥረ ፀገም ወፃኢ ኣብ ዝተረፉ ከባቢታት እታ ሃገር እቲ በዓል ብድምቀት ተኸቢሩ ኣሎ ዝበለ ኣገልግሎት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ‘’ፅንፈኛታት’’ ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ኣካላት ዝውሰድ ስጉምቲ ሓይሉ ከምዝቕፅል ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG