ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣደፓ መፍትሒ ዝለዓል ሕቶ መንነት ክልላት ብመንገዲ ሕገ መንግስቲ ምስ ዝምስረቱ እዮም ኢሉ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተልዓሉ ሕቶታት ዶብን መንነትን ክምርምር ዝፀንሐ ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ/ኣዴፓ/ ናይ ኢትዮጵያ ክልላት ዝተኸለላሉ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኣይኮነን ክብል ገሊፁ።

ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ/ኣዴፓ/ ኣብ ቀረባ ኣብዘካየዶ ውድባዊ ኣኼባ ዘቕረቦ መፍትሒ ሓሳብ ወግዓዊ ገይሩ’ሎ።ወሃቢ ቃል ኣዴፓ ኣቶ ምግባሩ ከበደ ሕቶ መንነት ብዝምልከት መርገፂ ኣዴፓ ናይ ኢትዮጵያ ክልላት ዝተኸለሉ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኣይኮነን ዝብል እዩ ኢሎም።

“ሕገ መንግስቲ ዝፀደቐ ኣብ 1987 ዓ.ም እዩ።ሎሚ ዘለዋ ክልላት ኢትዮጵያ ኸኣ እቲ ሕገ መንግስቲ ቅድሚ ምፅዳቑ ብዝተሰርሐ ናይ ክልላት ኣወዳድባ እየን ተጣይሸን።እዚ ሕገ መንግስቲ መሰረት ተገይሩ ይፈፀም ኢና ንብል።ሕገ መንግስቲ መሰረት ገይሩ ይካለል ኢሉ እቲ ጉባኤ ክውስን ከሎ ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ብመሰረት ዝተቐመጡ ሰለስተ ናይ ክልል መኸለሊ መዐቀኒታት ከይጎደሉ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ ኣለዎም።ሓደ ቋንቋ እዩ፤ካልኣይ ኣቀማምጣ/ኣሰፋፍራ፣ሳልሳይ መንነት እዩ፤ራብዓይ ድማ ድልየት እዩ።”

ንሶም ወሲኾም ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣነ ክመሓደር ዘድልዮ ኣብዚ ክልል እዚ እዩ፤ ብዘይምልከተኒ ክልል ክመሓደር ኣይደልን ኢሉ ብድልየቱ ክውስን ኣለዎ ኢሎም።ህዝብታት ብድልየቶም ከይወሰኑ ምኽላል ንዴሞክራሲ ይጎድእ እዩ፤ናይ ህዝቢ ቅሬታ ይልዓል ዘሎ እውን በዚ ምኽንያት እዩ ኢሎም።

ናይ ራያ ይኹን ናይ ወልቃይት ሕቶ ዝልዓል ዘሎ እቶም ህዝብታት ኣብ ዘይዘተዩሎም ውሳነ ብምዃኑ ሕገ መንግስቲ መሰረት ተገይሩ ክፍታሕ ኣለዎ፤እቲ ፀገም እውን ናይቲ ሕገ መንግስቲ ፀገም ኣይኮነን እኳድኣስ እቲ ዕንቅፋት ፀረ ዴሞክራሲያዊነት እዩ ኢሎም።

“ዝተሓንፀፀ ፈዴራሊዝም ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓል ዝመፀ ፀረ ዴሞክራሲያዊ ሽግር እዩ ነዚ ናይ ክልል ኣምሓራን ሽግር ከይፍታሕ ዝገበረ፡ ስለዚ ዴሞክራሲያዊ ይኹን እንተድኣ ተባሂሉ ሕገ መንግስቲ ብዘቐመጦ መዐቀኒ ፌደራሊዝም ክጣየሽ ይግባእ።ሕቶ ወልቃይት ግቡእ ሕቶ ኮይኑ እንተተረኺቡ ክፍታሕ ዝኽእል፤ሕቶ ራያ ትኽክለኛ ሕቶ ኮይኑ ክሳብ ዝተረኽበ ክፍታሕ ዝኽእል በዚ መንገዲ እዩ።ህዝብታት ቋንቋና፣መንነትና፣ኣሰፋፈርና ኣምሓራ እዩ እንተይሎም ናብ ኣምሃራ፣ትግራይ ኢና ዝበሉ ድማ ናብ ትግራይ ይኸይድ።”

እዚ ውሳነ እዚ ክሳብ ክንደይ የኽይድ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሎም ኣቦ ወንበር ጉዳይ ሕቶ መንነት ወልቃይት ኮሎኔል ደምቀ ዘውዴ እቲ ሕገ መንግስቲ ብዝግባእ ክፈትሖ እዩ ኢሎም።

“ብናተይ እምነት እቲ ሕገ መንግስቲ ክፈትሖ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።ምኽንያቱ ወልቃይት ፀገዴ ብቋንቋ ኢና ከሊልናዮ እዮም።ህዝቢ ወልቃይት ፀገዴ ግን ንሕና ኣይተሓተትናን፤ብሓይሊ ኢና ከይድና፤ንሕና ኣምሓራ ኢና እናበልና ትግራይ ኢኹም ተባሂልና መምርሒ ተዋሂቡና።ስለዚ ሕገ መንግስታዊ መሰልና ተጣሒሱ’ሎ ኢና ንብል ዘለና።”

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ኮሌጅ ሕግን ምሕደራን ኣባል ኮሚቴ ሕቶ መንነት ህዝቢ ራያን ዶ/ር ሲሳይ መንግስቴ ናይ ኣዴፓ ውሳነ ነቲ ሕቶ ይምልስዶ ይኸውን ዝብል ሕቶ ቀሪቡሎም ህዝቢ ሓሳቡን ድልየቱን ክገልፅ እንተድኣ ተፈቒዱሉ በቲ ዘሎ ሕጊ ክምለስ ይኽእል እዩ ኢሎም።

ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ተንተንቲ ናይ ወልቃይት ይኹን ናይ ራያ ሕቶ መንነት ፍቓድ ክልል ትግራይ ዝሓትት እዩ ይብሉ።ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ሕቶ ዶብን መንነትን ዘለዎ መርገፂ ክምልሳ ዝተሓተታ ሓላፊት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ትግራይ ወ/ሮ ሊያ ካሳ “ብተባራሪ ወረ ዝልዓል ተዘይኮይኑ ምስ መንነት ተኣሳሲሩ ብሰነድ ዝተደገፍ ጭቡጥ ሕቶ ናብ ክልል መንግስቲ ዝቐረበ የለን።ክሳብ ዘይቀረበ ኸኣ መርገፂ ክልል መንግስቲ እንታይ እዩ ዝብል ነቲ ሰነድ ክሳብ ዘይርኣና መርገፂና ክነቐምጥ ኣይንኽእልን እየን” ኢለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG