ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣይዳ” ዝተሰምየ ህቦቡላ ኣብ ኣመሪካ ሰፊሕ ዕንወት የውርድ


ኣብ ኒው-ኦላንስ ህቦብላ ኣይዳ ዘስዓቦ ዕንወት ዓንድታት መስመር ኤሌትሪክ
ኣብ ኒው-ኦላንስ ህቦብላ ኣይዳ ዘስዓቦ ዕንወት ዓንድታት መስመር ኤሌትሪክ

“ኣይዳ” ዝተሰምየ ኣብ ኣመሪካ ዝተራእየ ህቦቡላ ንሓያሎ መሰረታውያን ትሕተ-ቅርጺ ኣዕንዩ፡ ንሚልዮናት ዜጋታት ካብ መንበሪኦም ኣማዛቢሉን ብዘይ መዕቆቢ ኣትሪፉን ኣሎ።

ህቦቡላ "ኣይዳ" ብሕልፊ ኣብ ኒው-ኦርሊንስ መስመራት ኤሌክትሪክ ብምብልሻዉ፡ ንህይወት ሚልዮናት ኣማዛቢሉ ኣሎ። ኣብ ሰዓት ኣስታት 240 ኪሎ-ሜተር ፍጥነት ዝነበሮ፡ ኣብ ሰንበት ዝተራእየ ህቦቡላ፡ ኣብ ፈለግ ሚሲሲፒ ዝነበረ ቍልፊ መስመር ኤሌክትሪክ ስለ ዘዕነዎ፡ ኣብ ደቡብ ልዊዛና ንዝርከብ ሰፊሕ ቦታታት ሓይሊ መብራህቲ ኣጥፊኡ ኣሎ።

ሰብ-መዚ እቲ ግዝኣትን ከም ዘመልክቱዎ ድማ፡ ነቲ መስመር ኤሌክትሪክ ንምምላስ ብውሑዱ 30 መዓልታት ክሓትት’ዩ። ነዚ መሊሱ ዘግድዶ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ልዑል ሙቖት ኣየር ምዃኑ ነበርቲ ይሕብሩ። ምስ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብያተ-ሕክምና ክሽገራን ቤት-ትምህርቲ ድማ ንዘይተወሰነ ግዜ ክዕጾን ተገዲዱ ኣሎ።

ምምሕዳር ከተማ ኔው-ኦርሊንስ፡ ህዝቢ መግቢ፡ መጽለሊን መዝሓሊን ዝረኽበሉ ማእከል ከፊቶም ኣለዉ።

ኣማሓዳሪ ግዝኣት ልዊዛና ጆን በል ኤድዋርድስ፡ እቶም መሰረታውያን ቀረባት ኣገልግሎት ስለ ዝዓነዉ፡ እቶም ካብቲ ህቦቡላ ንምድሓን ኣብ መኸወሊ ስፍራ ዝተወስዱ ኣብ ዘለዉዎ ክጸንሑ ተማሕጺኑ ኣሎ።

ኣብ ገለ ክፋል ከተማ ኒው-ኦርሊንስ መስመር ኤሌትሪክ ክጅመር ደኣ ዕድል ይርከብ እምበር፡ ኣብ ካልእ ወገን’ሲ ገና ክሳብ ሕጂ ኣይተመልሰን ዘሎ።

ወለንተኛታትን ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን፡ ነቶም ክግዕዙ ዘየከኣሉ ነበርቲ ኣብ ምሕጋዝን ምድሓንን ይስረሑ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ዛጊት ብሰንኪ’ቲ ህቦቡላ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ ኣሎ።

ግዝኣት ልዊዛና ብኸምዚ ዝመስል ብርቱዕ ህቦቡላ ክትህረም እዚ ድሕሪ 16 ዓመት’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ቅድሚ 16 ዓመታት፡ “ካትሪና” ዝተሰምየ ህቦቡላ ኣስታት 1,800 ሰባት ቀቲሉ፡ ካልእ ዓበይቲ ዕንወታት ኣውሪዱ ነይሩ።

ህቦቡላት ኣይዳ ናብ ካልእ ጎረባብቲ ግዝኣታት ይቕጽል ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ። ሰብ-መዚ ማእከል መጽናዕቲ ህቦቡላ ከም ዘመልክቱዎ ድማ ኣብ ግዝኣታት ሰሜን ካሮሊና፡ ቪርጂንያ፡ ተነሲ፡ መሪላንድ፡ ፐንሲልቫንያ፡ ኒው-ዮርክ፡ ኒው-ጀርሲን ከነቲከትን ሓደጋ ክውርድ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም።

XS
SM
MD
LG