ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዛዚ`ቲ ጃንጃውድ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሚልሻ ሱዳን ዝነበረ ዓሊ-ኩሻይብ ኢዱ ሂቡ


​ኣብ ሱዳን ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበናት ዝድለ ዝነበረ ዓሊ- ኩሻይብ ኢዱ ብምሃቡ፥ ካልኦት ከም ፕረ ዚደንት-ነበር ዑማር ኣል-በሽር ዝበሉ ብገበናት ኩናት ዳርፉር ዝድለዩ`ውን ናብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ክርከቡ/ክውሃቡ ይኽእሉ`ዮም ንዝብል ተስፋ ክብ ኣቢልዎ`ሎ።

ኣዛዚ`ቲ ጃንጃውድ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሚልሻ ዝነበረ ዓሊ-ኩሻይብ: ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ`ዩ ኢዱ ሂቡ። ኣብ 2003 መንግስቲ ዑማር ኣልበሽር ኣብ ዳርፉር ንዝተላዕለ ናዕቢ ንምጭፍላቕ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፥ ነቲ ዓድታት ዘንድድን ዘጥቅዕን ዝነበረ ጃንጃዊድ ዝብሃል ምልሻ ይመርሕ ኔሩ። ሕጂ ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያ ኩናት፥ ብገበናት ቅትለት: መስቀይቲ ዕንወትን ዓመጽን ዘጠቓለለ ጸረ-ሰብኣውነት ክሲ ይጽበዮ`ሎ፥

​ሳሚያ ኣል-ሓሻሚ ጠበቓ ናይቶም ኣንጻር ፕረዚደንት ባሽር ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምስ ገበሩ ዝተኣሰሩ`ያ። ንሳ፥ ምእሳር ኩሻያብ ኣብ ልዕሊ`ዚ ዘሎ መንግስቲ ሱዳን ተጽዕኖ ክህልዎ`ዩ ትብል።


ኩሻይብ ካብ መንጎ ብገበናት ኩናት ዳርፉር ብዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ካብ ዝድለዩ ሽዱሽተ ሰባት ሓደ`ዩ። ሓደ ካብኦም እቲ ን30 ዓመታት ንሱዳን ብሓጺናዊ ሓይሊ ድሕሪ ምምርሑ ዝሓለፈ ዓመት ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝተዓልወ ዑማር ኣል-በሽር`ዩ። በሽር ኣብ ስልጣን ከሎ ካብ 2008 ጀሚሩ ብገበናት ኩናት-ምጽናት-ዘርእን-ጸረ-ሰብኣውነት ብዓለምለኸ ቤት ክድለይ ጸኒሑ’ዩ። ኣብዚ ሕጅ እዋን ሓደ ቤት-ፍርዲ ሱዳን ንፕረ.ዑመር ኣልበሸር ብገበናት ብልሽውና ኣብ ናይ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ኣእትዩዎ ይርከብ ኣሎ።

መሓውራት ዜና ሱዳን ሱዳን ሕጂ ግን ኩሻይብ-ኣንጻር ካልኦት ተጠርጠርቲ ምስክርነት ክህብ ይኽእል`ዩ ይብሉ። ፖለቲካዊ ተንታኒ ኣሕመድ ዓብደልጋኒ ድማ እዚ ንፖለቲካ ሱዳን ክሓላልኾ ይኽእል`ዩ ይብል ። ምኽንያቱ ገለ ወተሃደራዊ ትካላት ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ኔርዎም ክኸውን ስለዝኽእል።


ኣብ ግጭት ዳርፉር ልዕሊ 300 ሺሕ ከምዝተቐተሉን- 2 ሚልዮን ከምዝተፈናቐሉን ይንገር።


ዋና ዓቃቢት-ሕጊ ኣህጉራዊ መጋባእያ ገበናት ፋጡ-በንሶዳ ኣብ ዝሃበቶ ግብረ-መልሲ፡ ምትሓዝ ኩሻይብ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ጉዳይ ዳርፉር ልዑል ተራ ክህልዎ`ዩ ብምባል- ሰበ-ስልጣን ሱዳን ንግዳያት ዳርፉር ጭቡጥ ፍትሒ ከረጋግጽሎም ጸዊዓ`ላ።

XS
SM
MD
LG