ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዛዚ ሰራዊት ኦብነግ ምፍትሖም ዓበይቲ ዓዲ ይገልጹ


አብዲካሪም ሙሴ /ቀልቢ ዳጋ/

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሲርዎ ዝጸንሓ ኣዛዚ ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ዓብደልከሪም ሙሳ ትማሊ ከምዝተፈትሓ ዓበይቲ ዓዲ’ቲ ከባቢ ብምጥቃስ ድምጺ ኣሜሪካ ቋንቋ ሶማል ሓቢሩ።

ቐልቢ ዳጋ ብዝብል ስም ዝፍለጥ አዛዚ ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ዝተፈትሑ አብ አዲስ አበባ ምዃኑ ሱልጣን መሓመድ ዓሊ ዝተባህሉ ሽማግለ’ቲ ከባቢ ገሊጾም።

ቐልቢ ዳጋ ንክፍታሕ ፈደራል መንግስቲ ኣዚዙ ሎሚ አብ ኢድና ኣሎ ክብሉ ንሶም ሓቢሮም ኩነታት ጥዕንኦም ጽቡቅ ከምዘሎን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ከምዝጸንሑን ዝሓበሩ ሱልጣን ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ከምዝተዘራረቡን ገሊጾም።

ብካልእ ወገን ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ወሃቢ ቃል ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ዓብደልቓድ ሓሰን ሄርሞጌ ብዛዕባ ምፍታሕ ቐልቢ ዳጋ ግንባሮም ዝተረጋገጸ ሓበሬታ ከምዘይብሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብርግጽ ፈቲሕዎ እንተኾ ይኑ ድማ ንዓበይቲ ዓዲ ክህቦም ኣይነበሮን ስለዚ ሓላፍነት ድሕነቶም ኣብ ኢዱ እዩ ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ ቐልቢ ዳጋ ምስ ኣብ መዓስከር ዳዳብ ዝርከቡ ስድራ ቤቶም ኽ ጽንበሩ ድልየት ግንባሮም ምዃኑ ገሊጾም።

ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

ኣብዚኣ'ሞ

መገሻ ፕረ. ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናብ ኢትዮጵያ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG