ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ንግጭት ክልል ትግራይ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክትግበር ምጽዋዖም ሮይተርስ ሓቢሩ


መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብውግእ ስለዘይዕወት፣ ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ምቁራጽ ተኹሲን ፖለቲካዊ ፍታሕን ንክግበር ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ሎሚ ሰሉስ ጸዊዖም።

ሰራዊት መንግስቲ ካብ መቐለ ካብ ዝወጹ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ምስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ቃለ ምልልስ ዝገበሩ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ "ድሕሪ ስዕረት ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ተዘራሪብና ናብ ምቁራጽ ተጻብኦ ንብቃዕ ኢና ንብል ዘለና" ኢሎም።

ጀነራል ጻድቃን ካብ ዘይተነጸረ ስፍራ ኮይኖም ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ወሲኾም "ንኩሎም ጸገማት ብፖለቲካ ንፍታሓዮም ኢልና ንርእስና ንግድብ ኣለና፣ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ኩነታት’ዚ ክግንዘበልና ኢና ንደሊ:ካልእ ኣማራጺ እንተተሳኢኑ ግና፣ ብወትሃደራዊ ሓይሊ ክንፈትሖ ኢና" ኢሎም ።

ወሃቢ ቃል ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድን፣ መንግስቲ ንዘቆሞ ናይ ክልል ትግራይ ኮማንድ ፖስትን፣ ግብረ መልሲ ንክህቡሉ ዝተገብረ ፈተነ ኣይተዓወተን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ን ክልል ትግራይ የመሓድር ንዝነበረ ህወሓት፣ ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ብምባል ካብ ሕዳር ጀሚሩ ምስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ውግእ ተጸሚዱ እዩ ጸኒሑ። ህወሓት ግና ነዚ ክሲ’ዚ ነጺግዎ እዩ።

ህወሓት ብወገኑ፣ ንተጋሩ ኣግሊሉ ስልጣን ንምብሓት ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ይኸሱ። መንግስቲ ብወገኑ፣ ንገበነኛታት ዝብሎም ኣባላት ህወሓት ይሃድኖም ኣለኹ ይብል።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግና፣ ውግእ ንከብቅዕን ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ዝጠመየ ህዝቢ ክባጻሕን፣ ዓለምለኸ ጸቅጢ ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ወገናት ሓይሉ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ስልታዊ ምንስሓብ ኣብ ትሕቲ ዝበሎ ፍጻመ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ባይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ተግቢሩ እዩ። ህወሓት ግና ንመግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ቀልዲ’ እዩ ብምባል ንሰራዊት መንግስቲ ደፊኡ ከምዘውጸኦም ይሕብር።

ህወሓት ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ "ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ልዝብ ዘብቅዕ ምቁራጽ ተኹሲ ምስምማዕና ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ሙሉእ ንሙሉእ ካብ ትግራይ ክወጹ ኣለዎም" ከምዝበለ ዝዝከር እዩ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ ሰራዊት ተመሊሶም ዘይኣትውና እንተኾይኖም፣ ምቁራጽ ተዂሲ ብመሰረተ ሓሳብ ደረጃ ቅቡል እዩ፣ ካብኡ ዝሰገረ ግና፣ ኣብ ስምምዕነት ቅድሚ ምብጻሕና ካልኦት ክማልኡ ዘለዎም ቅድመ ኩነታት ኣለው ይብል።

ገለ ካብ’ቶም ቅድመ ኩነታት፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ’ቲ ክልል ብዘይዕንቅፋት ንክኣትው፣ ከም ኤለክትሪክ፣ ስልኪን ጥዕናን ዝበሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ምምላእ ዝብሉ ይርከብዎም።

ምስ ሮይተርስ ቃለ ምልልስ ዘካየዱ ጀነራል ጻድቃን "ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ክልል ትግራይ ወትሃደራዊ ስዕረት ኣጋጢሙና ኢሎም ክሳብ ዘይተቀበሉ፣ ውግእ ክቅጽል እዩ" ኢሎም። ንሶም ወሲኾም መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ረድኤት ናብ’ቲ ክልል ንከይኣትው ኮነ ኢሉ ይኽልክል ኣሎ ክብሉ ከሲሶም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ኣይከልከልኩን እዩ ይብል።

ጀነራል ጻድቃን ኣብ’ቲ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣስታት ሸሞንተ ሽሕ ወትሃደራት ኢትዮጵያ፣ ምሩኻት ውግእ ኮይኖም ከምዘለው ጠቂሶም። ወትሃደራዊ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ ብወገኖም እቲ ብጀነራል ጻድቃን ዝተገለጸ በዝሒ ምሩኻት ዝተጋነነ እዩ ክብሉ ከለው ሮይተርስ ብወገኑ ነቲ ኣሃዝ ከረጋግጽ ከምዘይከአለ ሓቢሩ'ሎ።

ትማሊ ሶኑይ ንፓርላማ ኢትዮጵያ መብርሂ ዝሃቡ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ "ኣድላዪ እንተኾይኑ፣ ሚልዮን ኢትዮጵያዊያን መናእሰይ፣ ኣብ ትግራይ ንክዋግኡ ቅሩባት እዮም፣ እንተኾነ ቀዳምነት ዝዋሃቦ ሰላማዊ ፍታሕ እዩ’"ኢሎም።

XS
SM
MD
LG