ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ሰራዊት ኡጋንዳ ንኬንያ ክወርር ምዃኑ ኣብ ትዊተር ድሕሪ ምፍርራሑ ካብ መዝነቱ ተኣልዩ


ሌተናል ጀነራል ሙሁዚ ካይነራጉባ
ሌተናል ጀነራል ሙሁዚ ካይነራጉባ

ወዱ ንፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ ዝዀነ ሌተናል ጀነራል ሙሁዚ ካይነራጉባ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘስፈሮ ነዊሕ ናይ ትዊተር ጽሑፋት ንኬንያ ክወርር መደብ ከም ዘለዎ ኣጠንቂቑ። እቲ ሎሚ ኣራፊዱ ካብ መዝነቱ ዝተኣልየ ሌ/ጀነራል ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቱ፡ ሰራዊት ኡጋንዳ ንኬንያ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ክቆጻጸራ ምዃኑ ብምምልካት፡ ነበርቲ ናይሮቢ ብእኡ መጠን ክዳለዉ ኣተሓሳሲቡ። ንበዓልቲ ቤት ንምዝዋር ንኬንያ ክወስዳ ምዃኑ ብምጥቃስ’ውን ስእሊ ክልተኦም ኣካፊሉ። እቲ ወታሃደራዊ መራሒ ኣብቲ ዝፍንዎ ዝነበረ ኣብ መንጎ ዋዛን ቁምነገርን ንምፍላዩ ዘጸግም መልእኽቲ ትዊተር፡ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ድኻም ፕረዚደንት ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ንሳልሳይ እዋን ዘይምውድዳሩን ስልጣን ምግዳፉን ምዃኑ’ውን ኣመልኪቱ።

ሌ/ጀነራል ካይነራጉባ መግዛእታዊ ዶባት ፈሪሱ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓደ ክሓብራ’ውን ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቱ ኣመልኪቱ ነይሩ። ድሕሪ ሕብረት እተን ሃገራት ላዕለዋይ መራሒ እቲ ዞባ ኣቦኡ ዩወሪ ሙሰቨኒ ክኸውን’ውን ኣሚሙ ነይሩ።

ኣብ መንጎ ካልእ እቲ ወዲ ፕረዚደንት ዝጸሓፎ መልእኽቲ ትዊተር መራሕቲ ኣፍሪቃ ክሳብ ዝኣርጉ ስልጣን ዘይገድፉ ምዃኖም’ዩ። ገለ ተንተንቲ ኣቦኡ (ሙሰቨነ) ንኣስታት 40 ዓመታት ኣብ ኮረሻ ስልጣን ምቕጻሉ እቲ ነቕፌታ ናብ ኣብኡ ዝዓለመ’ዩ ድማ ይብሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሎሚ ካብ ኡጋንዳ ዝወጸ ዜናታት ከም ዘመልክቶ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ናይ ስልጣን ለውጢ ገይሩ ኣሎ። ሌተናል ጀነራል ዝነበረ ወዱ ሙሁዚ ካይነራጉባ ምሉእ ጀነራል ብምዃን ካብቲ ዝነበሮ ናይ ሓይሊ ምድሪ ኣዛዚ ናብ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ስልጣን ሰጊሩ ኣሎ። ብተወሳኺ ሜጀር ጀነራል ካያንጃ ሙሃንጋ ናብ ሌተናል ጀነራል ክብ ብምባል ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ እታ ሃገር ብምዃን ንቦታ ካይነራጉባ ተኪኡ ኣሎ።

ሙሁዚ ካይነራጉባ ኣብ ትዊተር ብዘስፍሮ ጽሑፋት ብዙሕ እዋን መዘራረቢ ኣርእስቲ ክኸውን ጸኒሑ’ዩ።

XS
SM
MD
LG