ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣውስትራልያ: ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ኢትዮጵያን ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጺሙ ንዝተባህለ ግህሰት ብሓባር መርመራ ከካይዱ ምስምማዖም ከምዘሓጎሳ ገሊጻ


ኣውስትራሊያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈፀመ ግፍዒ ብዝምልከት ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ብሓባር ክምርምርዎ ዝተወሰነ ውሳነ ብሓጎስ ተቐቢላቶ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣውስትራሊያ ሎሚ ሶሉስ ዘውጽዖ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ 26 መጋቢት,2021 ኤርትራ ወታሃደራታ ካብ ኢትዮጵያ ክተውፅእ እያ ኢሎም ምእዋጆም ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ ይብል ። ይኹን እምበር ፈፀምቲ ናይቲ ግፍዒ ክሕተቱን እቲ ህውከት ከብቅዕን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንፅውዕ ይብል።

ኣውስትራሊያ ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ዝወፀ ሓዊሱ ስልታዊ ወሲባዊ መጥቓዕቲ ወሲኹ ኣብ ትግራይ ብዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝለዓለ ሻቖሎታ ገሊፃ ኣላ።

ሓለፍቲ ኤጀንሲታት ሕቡራት መንግስታት ንኩሎም ፆታዊ መጥቓዕቲ ብምኹናንን ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ስጉምቲ ክውሰድ 22 መጋቢት ንዘውፅኡዎ ሓባራዊ መግለፂ ብፅኑዕ ትድግፍ ይብል እቲ መግለፂ።

ኣውስትራሊያ ድልየት ንሓደጋ ዝተቓልዑ ንምምላእ ሰለስተ ሚሊዮን ዶላር ንፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣወፊያ ኣላ።እቲ መግለፂ ኣብ ክልል ትግራይ ቕልጡፍን ክፉትን ሰብኣዊ ተበፃሕነት ክህልው ንፅውዕ ይብል ።

XS
SM
MD
LG