ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣውስትራልያ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሃብቲ ሩስያዊያን እገዳ ኣንቢራ


ወናኒ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቸልሲ ሮማን ኣብራሞቪች
ወናኒ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቸልሲ ሮማን ኣብራሞቪች

ኣውስትራልያ ሩስያ ንዩክሬይን ብምውራራ ኣብ ልዕሊ ሩሲያዊያን ሰብ ሃብቲ ነጋዶ ሓድሽ እገዳታት ኣንቢራ።እቲ ስጉምቲ ንሩሲያ ቁጠባውን ፖለቲካዊን ረብሓታት ንዘለዎም ንምቕፃዕ ዝዓለመ ኣካል ናይ ኣውስትራልያ ስትራተጂ እዩ።

እቲ እገዳ ንወናኒ ኣብ ብሪጣንያ ናይ ዝመደብራን ኣብ ኣውሮጳ ዕዉቲ ዝኾነት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቸልሲ ቢሊዮነር ሮማን ኣብራሞቪች ዝሕውስ'ዩ።ንሱ ምስ ፕረዚደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ናይ ቀረባ ርክብ ከምዘይብሉ ብዙሕ ጊዜ ክዛረብ ይስማዕ።

ኣብራሞቪች ብኣውስትራልያ እገዳ ካብ መንጎ ዝተንብረሎም 30 ሰባት ሓደ እዩ።ዋና ፈፃሚ ናይ ሩሲያ ኩባኒያ ፀዓት ጋስፕሮም ኣሌክሲ ሚለርን ሓላፊ ባንኪ ሮሲያ ዲሚትሪ ለብደቭን እውን ይርከቡዎም።

ኣውስትራልያ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደት ብሪጣንያን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ሰብ ሃብቲ ነጋዶ ዝወሰድኦ ፋይናንሳዊን ናይ ጉዕዞን እገዳታት ስዒባ እያ ።

XS
SM
MD
LG