ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣውስትራልያ ብኣሽሓት ንዝቑጸሩ ስደተኛታት ቀዋሚ መንበሪ ከምትህብ ኣፍሊጣ


 ፋይል
ፋይል

ኣውስትራልያ ንዓመታት ብግዝያዊ ቪዛ ወይ ግዝያዊ መፅንሒ ፍቃድ ክነብሩ ንዝፀንሑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ብመሰረት ሓድሽ ዝወጸ ሕጊ ካብ ሎሚ ሰኑይ 13 የካቲት 2023 ጀሚሮም ቀዋሚ መንበሪ ፍቃድ ክትህብ'ያ።

ቅድሚ’ቲ ናይ 2013 ስርሒት ሉኣላዊነት ዶባት ዝተሰምየ ስጉምቲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኣስታት 19-ሽሕ ሰባት ተረባሕቲ’ዚ ለውጢ ክኾኑ’ዮም።

ማእኸላይ ፀጋማይ መርገፂ ዘለዎ መንግስቲ ኣውስትራልያ ነቲ ብጉጅለታት ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ጨካን ስጉምቲ ክብሉ ዝፀውዕዎ ግዝያዊ መፅንሒ ፍቃድ ከወግዶ’የ ክብል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቃል ኣትዩ ኔሩ’ዩ።

ሚንስተር ጉዳያት ኢሚግረሽን ኣንድሪው ጃይልስ ንስደተኛታት ኣብ ላንጋላንጋ ምሕዳግ ትርጉም ኣልቦ ወይ ዘይምኽኑይ’ዩ ክብሉ ንመሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ገሊፆም።

እቶም ነዚ ሓድሽ ፍቃድ ዝረኽቡ ከም ኩሎም’ቶም ካልኦት ቀወምቲ ነበርቲ ተመሳሳሊ መሰላት ክወሃቦም’ዩ።

ይኹን’ምበር ኣውስትራልያ ነቲ ኣካታዒዝኾነ ስጉምታት ሓለዋ ዶባት ዘለዋ ደገፍ ሕጂ’ዉን ደጊማ ኣረጋጊፃ’ላ።

XS
SM
MD
LG