ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣውስትራሊያ ምስፍሕፋሕ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ንናይ  ወፃኢሃገር ጉዕዞ ክትኽልክል እያ


ኣውስትራሊያ ምስፍሕፋሕ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ካብ ሎሚ ዓርቢ ጀሚሩ ንናይ ወፃኢሃገር ጉዕዞ ክትኽልክል እያ።ዓለምለኸ በፃሕቲ ናይ ወፃኢ ሃገር በረራታት ክስረዙን ዶባት ድማ ክዕፀውን እዮም ብዝብል ስግኣት ካብ ኣውስትራሊያ ንምውፃእ ይጓየዩ ኣለው።

ኣውስትራሊያ ልዕሊ 700 ብኮሮናቫይረስ ዝተታሓዙ ሰባት ኣለዋ።

ካብ ሎሚ ዓርቢ ጀሚሩ ወፃእተኛታት ናብ ኣውስትራሊያ ክኣትው ኣይፍቀደሎም። ቅድም ክብል ካብ ቻይና፣ኢራን፣ደቡብ ኮሪያን ኢጣልያን ተሳፈርቲ ከይኣትው ከልኪላ ፀኒሓ እያ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣውስትራሊያ ስካት ሞሪሰን ምዕፃው ዶብ ዘድልየሉ ኮረና ቫይረስ ናብታ ሃገር ከይጋፋሕ ንምክልኻል እዩ ኢሎም ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG