ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣውስትራሊያ፤ ምስሊ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ካብ ባጤራኣ ትቕይር


ሃገራዊ ባንክ ኣውስትራሊያ፡ ኣብ ባጤራ ሓሙሽተ ዶላር እታ ሃገር ዘላ ምስሊ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልኣይቲ ብናይ ደቀባት እታ ሃገር ምስሊ ክቕይሮ ከም ዝወሰነ ሎሚ ሓሙስ ወግዓዊ ገይሩ ኣሎ።

እቲ ሃገራዊ ባንክ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ንደቀባት ኣውስትራሊያ ዝግበኦም ክብሪን መዓርግን ዝህብ፡ ንብዙሕነት ባህሊን ኣነባብራን እታ ሃገር ዘንጸባርቕ ምስሊ ገንዘብ ክህሉ ኣድላዪ’ዩ፡” ኢሉ። ነዚ ዕላማ’ዚ ንንምብጻሕ ድማ ዘድሊ ናይ ምስሊ ለውጢ ክግበር ከም ዝወሰነ እቲ መግለጺ የርድእ።

በዚ ሃገራዊ ባንክ ኣውስትራሊያ ኣተኣታትዩዎ ዘሎ ሓድሽ ለውጢ፡ ንጉስ ቻርለስ ካልኣይ፡ ኣብ ናይ ሓጺን ገንዘብ (ሳንቲም) እታ ሃገር ጥራይ ምስሉ ክህሉ’ዩ።

እቲ ሓድሽ ናይ ባጤራ ለውጢ ክሳብ ዝተኣታቶ ግን ምስሊ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልኣይቲ ኣብቲ ተሓቲሙ ዘሎ ባጤራ ክጸንሕ’ዩ።

ኣውስትራሊያ ኣካል ንግስነት ዓባይ ብሪጣንያ’ያ።


XS
SM
MD
LG