ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸንሓ እገዳ ግብራዊነቱ ክቋረጽ ከምዝኽእል ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ሓቢሮም


ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት አንቶኒ ጉተረስ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝወሰድዎ ተበግሶ ሰላም ንዒዶም፡ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝተበጽሓ ኣዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸንሓ እገዳ ግብራዊነቱ ክቋረጽ ከምዝኽእል ሓቢሮም።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መንጎኣን ዝጸንሓ ኹነተ ሰላም ከብቕዕ ትማሊ ሶኑይ ስምምዕ ኣዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ተፈራሪመን፡ ብተወሳኺ ኤምባሲታተን ስርሖም ክጅምሩ፡ በረራ ካብን ናብን እዘን ሃገራት ከምዝጅመር በዚ አጋጣሚ አፍሊጠን ኣለዋ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት አንቶኒ ጉተረስ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ አዲስ አበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሕቡራት ሃገራት እቲ ስምምዕ ክትግበር ክልቲኣን ሃገራት ዘድልየን ሓገዝ ንምትሕብባር ድልውነቱ ገሊጾም።

“ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ቐረባ ዝተራእየ ለውጢታት ንክልቲኡ ህዝብታት ጥራይ ዘይኾነ ንኣፍሪቃን ንመላእ ዓለምን ተስፋ ዝህብ’ዩ። ሕቡራት ሃገራት ድማ ክልቲኦም ወገናት ዘድልይ ኹሉ ንምትሕብባር ድልው’ዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቲ ተበጺሑ ዘሎ አዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ንምትግባር ኣብ ክልቲኣን ወገናት ዝውሰን’ዩ ድሕሪ ምባል ሕቡራት ሃገራት ድማ እቲ ስምምዕ ብዓወት ክዛዘም ብፍላይ ድማ ንሕቶ ዶብ ብዝምልከት ዘድልይ ኹሉ ንምስላጥ ድልው ምኳኑ ይገልጽ” ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ወርቅነህ ገበየሁ ነቲ ዝመጽእ ሰሙን ዝጅመር ካብን ናብን ክልቲኣን ሃገራት ዝኻየድ በረራ ብዝምልከት ከምዚ ኢሎም።

“ሓደ ካብቲ ዝተሰማማዕናሉ ነጥብታት- መጉዓዝያ’ዩ።ስለዚ ድማ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ አዲስ አበባ ናብ ኣስመራን ካብ ኣስመራን ናብ አዲስ አበባን በረራ ክጅምር’ዩ። ብተወሳኺ ኩሎም መንገድታት ካብን ናብን እዘን ሃገራት ተኸፊቶም ምንቅስቃስ ክጅመር’ዩ” ኢሎም።

XS
SM
MD
LG