ዋሽንግተን —
ኣኽበርቲ ሕጊ ሶማል ናብ ኤርትራ ንወታሃደራዊ ስልጠና ዝተላእኹ ወታሃደራት ሶማል ብምስጢር ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ይካየድ ኣብ ዘሎ ኲናት ተሳቲፎምን ሞይቶምን ንዝብሉ ጥርዓናት ፕረዚደንት ፎርማጆ መብርሂ ክህቡሉ ይሓቱ ኣለዉ ።
ቅድም ክብል ምኽትል ሓላፊ ክፍሊ ደሕንነትን ምርመራን ሶማል ዝነበሩን ስድራ እቶም ጠፊኦም ዝተባህሉ ወተሃደራትን ዝቀረቡ ሕቶታት ቤት ፅሕፈት ፎርማጆ ነፂጉዎ እዩ ።
ንወተሃደራዊ ስልጠና ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምልኣኾም ደሃይ ኣይረኸብናን ዝበሉ ስድራ ወተሃደራት ሶማል ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ይካየድ ናብ ዘሎ ኲናት ብምስጢር ተላኢኾም ከይኾኑ ስግኣት ከምዘለዎም ይዛረቡ ። ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ስድራ እቶም ወታሃደራት ሰልፊ ዝወፁ ኾይኖም ምምሕዳር ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፎርማጆ ደቆም ኣበይ ከምዘለዉ ሓበሬታ ክህቡዎም ፀዊዖም እዮም ።