ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣኽበርቲ ሕጊ ሶማል: ወታሃደራት ኣብ ኹናት ክልል ትግራይ ተሳቲፎም ሞይቶምን ዝብሉ ጥርዓናት ክጻረ ሓቲቶም


ኣኽበርቲ ሕጊ ሶማል ናብ ኤርትራ ንወታሃደራዊ ስልጠና ዝተላእኹ ወታሃደራት ሶማል ብምስጢር ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ይካየድ ኣብ ዘሎ ኲናት ተሳቲፎምን ሞይቶምን ንዝብሉ ጥርዓናት ፕረዚደንት ፎርማጆ መብርሂ ክህቡሉ ይሓቱ ኣለዉ ።

ቅድም ክብል ምኽትል ሓላፊ ክፍሊ ደሕንነትን ምርመራን ሶማል ዝነበሩን ስድራ እቶም ጠፊኦም ዝተባህሉ ወተሃደራትን ዝቀረቡ ሕቶታት ቤት ፅሕፈት ፎርማጆ ነፂጉዎ እዩ ።

ንወተሃደራዊ ስልጠና ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምልኣኾም ደሃይ ኣይረኸብናን ዝበሉ ስድራ ወተሃደራት ሶማል ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ይካየድ ናብ ዘሎ ኲናት ብምስጢር ተላኢኾም ከይኾኑ ስግኣት ከምዘለዎም ይዛረቡ ። ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ስድራ እቶም ወታሃደራት ሰልፊ ዝወፁ ኾይኖም ምምሕዳር ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፎርማጆ ደቆም ኣበይ ከምዘለዉ ሓበሬታ ክህቡዎም ፀዊዖም እዮም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG