ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣክሱም: ካብ መወሸቢ ማእከል ክሃድም ዝፈተነ ውልቀሰብ ናይ 6 ወርሒ ማእሰርቲ ተፈሪዱ


ኣብ ከተማ ኣክሱም ካብ መወሸቢ ማእኸል ከምልጥ ዝፈተነ ውልቀ ሰብ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ማእሰርቲ ክቕፃዕ ቤት ፍርዲ እታ ከተማ ወሲኑ:: መንግስቲ ክልል ትግራይ ካብ ወፃኢ ሃገራት ይኹን ካብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ናብቲ ክልል ዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ን14 መዓልታት ክውሸቡ ምውሳኑ ስዒቡ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ከተማ ኣክሱም ዝተጓዓዘ እዚ ውልቀሰብ ናይታ ከተማ መወሸቢ ማእኸል ድሕሪ ምጽንሑ’ዩ ከምልጥ ኣብ ዝፈተነሉ ዝተታሕዘ::

ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብታ ከተማ ካብ ዝኣቱ ሓሙሽተ መዓልታት ዘቑጸረ እዚ ውልቀሰብ ዝሓለፈ ቀዳም ካብ መወሸቢ ማእኸል ከምልጥ ኣብ ዝፈተነሉ ብሓይልታት ፀጥታ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ምውዓሉ ከንቲባ ከተማ ኣክሱም ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይ ንድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቦም::

ሎሚ ረቡዕ ኣብ ቤት ፍርዲ ከተማ ኣክሱም እቲ ውልቀሰብ ኣብ ዝውዓል መጋባእያ ብ6 ወርሒ ማእሰርቲ ክቕፃዕ ወሲኑ ኢሎም:: እዚ ተግባር ውልቃውነት ዝዓብለሎን ንህዝቢ እንኮላይ ንስድራ ዘይምሕሳብ ዘርኢ እዩ ክብሉ እቶም ከንቲባ ገሊፆም:: እዚ ተግባር ዝፈፀመ ውልቀሰብ ኩነታት ጥዕንኡ ክፃረን ብተወሳኺ ድማ ናይ ጉዕዞ ታሪኹ ዳግም ክረአ እውን ምምሕዳር እታ ከተማ ኣንፈት ከምዘነፀረ ኣይተ ኤልያስ ሓቢሮም:: ለበዳ ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል መንግስቲ ክልል ትግራይ ብዘውፀኦ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ካብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ናብቲ ክልል ዝኣቱ ሰብ ን14 መዓልታት ክውሸብ ይእዝዝ:: ዛጊድ ኣብ 15 መወሸቢ ማእኸላት 2130 ሰባት ከምዝተወሸቡ ካብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::



XS
SM
MD
LG