ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣከባብራ በዓል መስቀል


ኣከባብራ በዓል መስቀል ኣብ ከተማ መቐለን ኣስመራን
ኣከባብራ በዓል መስቀል ኣብ ከተማ መቐለን ኣስመራን

በዓል መስቀል ሎሚ 27 መስከረም ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትናን ምስልምናን፡ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ፡ዲፕሎማትን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጽኡ ሰባት ኣብ ዝተረኽብሉ ብዓብይ ሃይማኖታውን ባህላውን ኣገባብ ተኸቢሩ።

በዓል መስቀል ንግስት እሌኒ እየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል ንምርካብ ኩዕታ ዝጀመረትሉ መዓልቲ ንምዝካር ከምዝበዓል ካብ ቤ/ጽ መንበር ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ሓላፊ መንፈሳዊ ትምህርቲ መሪገታ ሰመረኣብ ኣፈወርቂ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጽኡ በጻሕቲ፡ በዓል መስቀል ሃይማኖታውን ባህላውን ትሕዝቶ ብዘለዎ ኣገባብ ብምብዓሉ ፍሉይ ተምሳጥ ከምዘሕደረሎም ክገልጹ ከለዉ፡ኣብቲ በዓል ዝተሳተፉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን በጻሕቲ ብወገኖም ድሕሪ 20 ዓመታት ንበዓል መስቀል በሓባር ክኽብሩ ብምብቕዖም ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ በዓል መስቀል ኣብ ጎቦ ጮምዓ ከተማ መቐለ ከምኡ’ውን ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ትማሊ ምሸት ብድምቀት ተኸቢሩ።

ኣከባብራ በዓል መስቀል ኣብ ኣስመራን መቐለን
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:14 0:00

እቲ በዓል ኣብ ምብራቓዊ ኣንፈት መቐለ ካብ ዝርከብ ጎቦ ጮምዓ ነበርቲ ሽግ ወሊዖም ክወርዱ ከለዉ ዘርኢ ምስሊ ኣዚዩ ሰሓቢ ምዃኑ ተሳተፍቲ እቲ በዓል ይገልፁ።

ብተመሳሳሊ ኣብ 27 ዓመታት ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን ዝርከባ 24 ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስትያን ብሓባር ብምኳን ትማሊ ምሸት ኣብዚ ዋሽንግተን ዲሲ በዓል መስቀል አኽቢረን።

ምሉእ ጸብጻብ ኣከባብራ በዓል መስቀል ኣብ መቐለ፡ዓዲ ግራት፡ ኣስመራን ዋሽንግተን ዲሲን ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣከባብራ በዓል መስቀል
please wait

No media source currently available

0:00 0:17:06 0:00

XS
SM
MD
LG