ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣእማን ብምእካብ ንዘመናዊ መሳርሒ ሙዚቃ ዝትክእ ድምፂ ዝፈጠሩ ጥበበኛ


መምህር ሃይለሚካኤል ሃይለማርያም ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ትግራይ ኣእማን ብምእካብ ንዘመናዊ መሳርሒ ሙዚቃ ዝትክእ ድምፂ ዝፈጠሩ ጥበበኛ እዮም፡፡

መምህር ሃይለሚካኤል ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ከሳቴብርሃን ሰለማ መምህር ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለው ኮይኖም ኣብ ቤተክርስያን ዝዓበዩ ምስ ምኳኖም ደወል ቤተክርስትያን ዝፈጠረሎም ፍሉይ መንፈስ ናብ ምህዞ ክኣትዉ ምክኣሎም ይገልጹ፡፡ ካብ ከባቢታት ሳምረ፣ቆላ ቴምቤንን ወርዕን ፍሉይ ድምቀት ዘለዎም ኣእማን ብምእካብ ካብ ግዜ ቁልዐነቶም ድቃስ ዝከልኦም ዝነበረ ሓሳብ ናብ ጋህዲ ምቅያር ኪኢሎም፡፡

ንምህዝኦም ሓጋዚ ንምእላሽ ናብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ድሕሪ ምካዶም ንመምህር ኣበባው ኪሮስን መምህር ሳሙኤል ረዲኢን ብምርካብ ሞያዊ ሓገዝ ተሓዊስዎ ስርሖም ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ተወሳኪ ፃዕሪ ኣብ ምግባር ከምዝርከቡ’ውን ይሕብሩ፡፡

ምስ መምህር ሃይለሚካኤል ሃይለማርያም ዝተኻየደ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል፡፡

XS
SM
MD
LG