ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣንፈት ጕዕዞ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከም ዝተዛብዐን ሳማንታ ፖወር ይገልጻ


ሓላፊት ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ (USAID) ሳማንታ ፖወር
ሓላፊት ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ (USAID) ሳማንታ ፖወር

ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካይዳ ዘለዋ ሓላፊት ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ (USAID) ሳማንታ ፖወር፡ ኣብ ባይታ፡ ንትጽቢተን ዝጻረር ክውንነት ከም ዝጸንሐን ገሊጸን። እተን በዓልቲ-ስልጣን፡ “ሱዳን ኣብ ተኣፋፊ ግን ከኣ ተስፋ ዘለዎ ሓዲድ ደሞክራሲ” ክትርከብ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ግን “ብሰግለለት ደርቂን ውግእ ሕድሕድን ትሕመስ” ከም ዘላ ተዛሪበን። ፖወር ወሲኸን፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰራሕተኛታት ትካላት ረዲኤት ኣመልኪቱ ዝወሃብ ዘሎ ጠቐነንን ምዕጋት ሓገዝን ኣዝዩ ሓደገኛ’ዩ ኢለን ኣለዋ።

ሰብኣዊ ቅልውላው ኢትዮጵያ እናሓደረ ይብእስ'ዩ ዘሎ። ኣሽሓት ዜጋታት ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ይዕቆቡ ኣለዉ። መንግስቲ ኣመሪካ፡ ብሕልፊ’ኳ ኣብቲ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ብዂናት ዝሕመስ ዘሎ ክልል ትግራይ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ይሰርሕ ኣሎ።

ሓላፊት ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ (USAID) ሳማንታ ፖወር፡ ኣብዚ ንሱዳንን ኢትዮጵያን ዝዓመመ ናይ ሕጂ ዑደትን፡ ንግምተን ዝጋጮ ክውንነት ከም ዝጸንሐን’የን ዘመልክታ። እታ ቅድሚ 20 ዓመታት በጺሐንኣ ዝነበራ ሱዳን፡ ከምዚ ሕጂ ዝጸንሐተን ተስፋን ኣርኣያን ካልኦት ሃገራት ክትከውን ኣይገመታን።

“ሳላ’ቲ ብቐንዱ ብመንእሰያትን ደቀንስትዮን ዝተቐለሰ ሰውራ፡ ሱዳን፡ ሕጂ ኣብ ኣዝዩ ኣተስፋዊ ደሞክራሲያዊ ጕዕዞ ኣላ። ኣብታ ንነዊሕ እዋን መሓዛ ኣመሪካ ዝዀነት ኢትዮጵያ ግን ብኣንጻሩ’ዩ። እታ ኣብነት ምዕባለ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ መልሕቕ ሰላምን ርግኣትን ኣከባቢ ዝነበረት ሃገር፡ ሕጂ ብቕልውላው ተሓሚሳ ኣላ። ብመንግስቲ ዝተወስደ ኣረሜናዊ ወፍሪ ኣንጻር ትግራይ፡ ንዂናት ሓድሕድ መጢጡ፡ ነቲ ክልል ናብ ደርቂን ዓጸቦን መሪሑዎ ኣሎ”ኢለን።

ሳማንታ ፖወር ምስ ሰብ-መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምርኻበን ኣብ ዝገበረኦ ጋዜጣዊ መግለጺ’ውን ካብ ጋዜጠኛታት ዝቐረበለን ሕቶ መሊሰን ነይረን።

ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላን ንምዕራፍ፡ ኵላቶም ኣብቲ ኲናት ኢድ ዘለዎም ወገናት ቅጽበታዊ ምቍራጽ ተጻብኦታትን ናብ ናይ ቅድም ቦታኦም ክስሕቡን ዘዘኻኸራ ፖወር፡ ንትካላት ረዲኤት ዝወርዶም ዘሎ መጥቃዕቲ’ውን ተንኪፈን ነይረን። ንሰን ሰራሕተኛታት ረዲኤት ዕዮኦም ክፍጽሙ ዘይተገደበ መስመር ክኽፈተሎምን ኣንጻሮም ዝካየድ ዘሎ ጐስጓሳት ደው ክብልን ተላብየን። ኣስዒበን ንኣጠቓቕማ ቃላት ዝምልከት ብጋዜጠኛታት ንዝቐረበለን ሕቶ ኣብ ዝመለሳሉ፡ ብትግራይ ንምግላጽ ብቐዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተዘውተሩ ከምእኒ “መንሽሮን” “ጻህያይን” ዝብሉ ንሰብኣዊ ክብሪ ዝቕንጥጡ ቃላት፡ ንዓሌታዊ ምጽናት ዝጽውዑ ስለ ዝዀኑ ደው ክብሉ ኣተሓሳሲበን።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ንጉዳያት ህጹጽ ኩነታት ማርቲን ግሪፍስ: ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትካላት ረዲኤት ዝገበር ዘሎ ስም ናይ ምጥፋእ ዘመተ ሓደገኛ ምዃኑ’ዮም ጠቒሶም። ሓላፊ ተሓላቒ መሰላት ትካል ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል ጨንፈር ኣመሪካ ዝዀነ ኣዶተይ ኣክዊ’ውን፡ ኣብቲ ጉዳይ ምስ ግሪፍስ ዝሰማምዕ መርገጺ ኣለዎም። ንሶም ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፤“ኣንጻር ሰብኣዊ ረዲኤት ዝህባ ትካላት ዝገበር ዘሎ ጐስጓሳት፡ ብዓንደ-ርእሱ ኣንጻር ኣህጉራዊ ውዕላት ኰይኑ፡ እቲ ስራሕ ንኸይፍጸም ዝኽልክል’ዩ። እቲ ካልእ ዝገደደ ሳዕቤናቱ ድማ ንትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ንመጥቃዕቲ ክፍተት ዝፈጥርን ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ምዃኑ’ዩ።”

እቶም ሓላፊ ተሓላቒ ኣህጉራዊ ትካል ድማ ኣስዒቦም፡ ካልኦት ሃገራት ንኢትዮጵያ ዘንጸላሉዋ ዘሎ ሓደገኛ ኵነት ክገንዘባ ኣዘኻኺሮም።

ምምሕዳር ባይደን ካብ ፈለማኡ ነቲ ኵነታት ብጽቡቕ ከም ዝተገንዘቦን ከም ዝሓዞን ዝገለጹ ኣክዊ፡ ካልኦት ኣባላት ባይቶ ጸጥታን መንግስታት ኣፍሪቃ’ውን፡ ሓደገኝነት እቲ ኲናት ተገንዚቦም፡ ብዓንተቦኡ ኢድ ክሕዉሱ ጸዊዖም። ቅልጡፍ ግትኣት እንተ ዘይተገይሩሉ፡ እቲ ቅልውላው ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከምእኒ ሱዳን፡ ጂቡቲ፡ ኤርትራን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊ-ላንድን ክልሕም ምዃኑ ድማ ኣተሓሳሲቦም።

ሕቡራት ሃገራት’ውን በቲ ሓገዝ ንክልል ትግራይ ንምብጻሕ ዘጓንፍ ዘሎ ክልከላን ምትዕንቓፍን መርረኡ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ውድብ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኵነታት “መቕዘፍቲ” ክብል’ዩ ገሊጹዎ። ላዕለዋይ ትካል ጉዳያት ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (UNICEF) ኣስታት ሚእቲ-ሽሕ ዝበጽሑ ህጻናት ትግራይ፡ ኣብ ዝመጽእ 12 ኣዋርሕ፡ ንህይወት ዝፈታትን ጥሜት የንጸላሉዎም ከም ዘሎ ይገልጽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG