ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ኣንጻር ጭካነ ፖሊስን ንዓሌታዊነትን ማዕርነት ዝጽውዕን ሰልፍታት ሎሚ ሰኑይ`ውን ይቕጽሎ ኣሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፥ ሰለስተ ሰሙን ድሕሪ ኣብ ሚኖሶታ ዝተቐትለ ጆርጅ ፍሎይን ፡ ክልተ መዓልታት ድሕሪ ኣብ ኣትላንታ ዝተቐተለ ራይሻርድ ብሩክስን`ዩ።
ትማሊ ሰንበት ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ፥ ኒው ዮርክ፥ ሎስ ኣንጀለስ፥ ኣትላንታን ማያሚን ዝርከብአን ዓበይቲ ከተማታት ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ውዒሉ።
ብኻልእ ወገን፥ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት-ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ`ዚ ዳሕራዋይ ዓሌት-ዘበገሶ ግህሰታት፥ ስልታዊ ዓሌታዊነት፥ ጭካነ ፖሊስን፥ ጎንጺ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ሰልፊ ዝገብሩን- ዝብል ኣርእስትታት ኣልዒሉ ንረቡዕ ክመያየጥ ተሰማሚዑ`ሎ።
ብሞት ጆርጅ ፍሎይድ ዝተበገሰ ሰልፍታት ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ`ውን ቀጺሉ`ሎ። ኣብ በርሊን ጀርመን፥ ሰልፈኛታት ካብ ማዕጾ ብራንደርበርግ ዝጀመረ ናይ 9 ኪ-ሜ ሰንሰለት ኣቑሞም፥ ኣብ ፓሪስ፥ ብዓሌታዊነትን ጭካነን ዘይግባእ ክሲ ይውሃበና`ሎ ብምባል ባዕላቶም ፖሊስ`ዮም ሰልፊ ወጺኦም- ።
ኣብ ለንደን ድማ ቀ/ሚ ቦሪስ ጆንሰን፥ የማን ክንፊ ጽንፋውያን ንጸረ-ዓሌታዊነት ሰልፈኛታት ድሕሪ ምጥቅዖም ዓሌታዊነት ኣብ ጽርግያታት ብሪጣንያ ቦታ የብሉን ኢሉ።
ኣብ ቶክዮ ድማ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ትማሊ ሰንበት ፥ ህይወት ጸሊም`ውን የገድስ`ዩ ዝብል ጭርሖታት ሒዞም ወጺኦም ኔሮም-።
ኣብ ኒውዝላንድ ድማ ኣብ ኣፍደገ ቆንስል ኣመሪካ ተንበርኪኾም ንጆርጅ ፍሎይድ ዘኪሮም።