ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣንጻር ወታሃደራዊ ጁንታ ጊኒ ዝቐንዐ ተቓውሞ ንምንቅስቃስ ዋና ከተማ'ታ ሃገር ደው የብል


ኣንፃር ናይ ጊኒ ጁንታን ነታ ሃገር ናብ ዲሞክራሲ ንምምላስ ብምባል ዝሓዞ መደብን ዝቐነዐ ተቓውሞ ትማሊ ሓሙስ ንምንቅስቓስ እታ ዋና ከተማ ጠጠው ከምዘበሎ ተፈሊጡ።ብመሰረት ኣተሓባበርቲ ናይቲ ተቓውሞ ኣብ ኮናክሪ ሓደ ሰብ ብጥይት ተቐቲሉ ብርክት ዝበሉ ካልኦት ድማ ቆሲሎም ኣለው።ሰበስልጣን ግን ነቲ ሞት ኣየረጋገፁን።

እቲ ተቓውሞ ኣቐዲሙ ኣቦ ወንበር ዞባዊ ደንበ ኢኮዋስ ኡማሮ ሲሶኮ ኢምባላ ኣብ ጎኒ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኮይኖም እቲ ጁንታ ናብ ዲሞክራሲ ንምምላስ ዝሓዞ ግዜ ከሕፅሮ ኣእሚነዮ ኣለኹ ቅድሚ ምባሎም ዝሓለፈ ሰሙን ንምክያድ ዝተወጠነ'ዩ ነይሩ። ወሃቢ ቃል መሰጋገሪ መንግስቲ ጊኒ ኦስማን ጋኦዋል ዲያሎ መንግስቲ ይኹን እቶም ፕረዚዳንት ብዛዕባ እቲ መሰጋገሪ ኣብ ስልጣን ዝፀንሐሉ ንውሓት ጊዜ መረጋገፂ ኣይሃቡሉን ኢሎም።

ሃገራዊ ግንባር ንምክልኻል ሕገ መንግስቲ (FNDC) ዝተባህለ ፖለቲካዊ ጥምረት እቲ ወታሃደራዊ ጁንታ ኣብ 2021 ስልጣን ብሓይሊ ምስ ሓዘ ናይ ስቪል ምምሕዳር ክምለስ ክሓትት ፀኒሑ።

ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዋና ከተማ ተቓወምቲ መናእሰይን ፖሊስን ኣብ ብርክት ዝበሉ ቦታት ምግጫዎምን ሰልፈኛታት ንጎደናታት ብምዕፃው ጎማ ምቅጻሎምን ተሓቢሩ'ሎ።

መብዛሕቱ ማእከላይ ክፋል እታ ዋና ከተማ ህዱእ ምህላው ይኹን ደኣ እምበር ምንቅስቓሳት ግን ከምዘየሎ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

XS
SM
MD
LG