ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ብልጽግና ፓርቲ ውድባዊ ኣሰራርዕኡ ከሓይል ይግባእ ኢሎም


ፋይል
ፋይል

ዝንቡዑን ንህዝብታት ኢትዮጵያ ንሓድሕዶም ዘባልዕ ዘናቁር ኣተሓሳስባ ካብ ሱሩ ክመሖ ኣለዎ ክብሉ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ገዱ አንዳርጋቸው ተዛሪቦም።

ነዚ ንምግባር ኸአ ኣብ ሓባራዊ አጀንዳ ዝተመስረተ ድልዱል መሓውር ክንሃንጽ ምስ እንክእል’ዩ ኢሎም። ኣቶ ገዱ ነዚ ዝበሉ ኣብ ደቡብን ሰሜንን ወሎ ንልዕሊ ክልተ ሽሕ (2,000) ማእከሎት ኣመራርሓ ብልጽግና ፓርቲ ክወሃቦም ዝጸንሓ ስልጣና ኣብ ዝተዛዘመሉ’ዩ።

እቲ ኣብ ደቡብን ሰሜን ወሎ ከተማ ደሴ ኣብ መንጎ ምምሕዳር ብሄረሰባት ዋግምራን ኦሮሞን ንዝርከቡ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ማእከሎት ኣመራርሓ ብልጽግና ፓርቲ ኣብ ዙርያ ሕገ ሰረት’ቲ ፓርቲን ሕልው ኩነታት’ታ ሃገርን ክወሃቦም ዝጸንሓ ስልጠና ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን’ዩ ተዛዚሙ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG