ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ጀውሃር መሓመድ ሓዊሱ 35 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ


ኣቶ ጀውሃር መሓመድን ካልኦት ውልቀሰባትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ፈደራል ፖሊስን ፖሊስ ክልል ኦሮምያን ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣፍሊጦም።

ንመሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር መግለጺ ዝሃቡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፈደራል ፖሊስ ጀነራል እንዳሻው ጣሰውን ንኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኦሮምያን ብምጥቃስ መብርሂ ዝሃቡ ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሚኒኼሽን ጀላን አብዲ ኣብ ከይዲ ምፍናው ሬሳ ህቡብ ድምጻዊ ኣፋን ኦሮማ ሃጫሉ ሁርዴሳ ሓደ አባል ፖሊስ ምቕታሉ ጠቂሶም እቲ ፖሊስ ዝተቐተለ ምስ ኣቶ ጀውሃር መሓመድ ብዝነበረ ሰብ ምዃኑ ገሊጾም።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣቶ ጀውሃር መሓመድን ሓሙሽተ ሓለውቶምን ከምኡ'ውን ካልኦት ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ'ሎ ።

XS
SM
MD
LG