ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ጀዋር መሓመድን ኣቶ በቀለ ገርባን ዝርከብዎም እሱራት ኣብ ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ከምዘለው ተገሊጹ


ኣቶ ጀዋር መሓመድን ኣቶ በቀለ ገርባን
ኣቶ ጀዋር መሓመድን ኣቶ በቀለ ገርባን

ኣቶ ጀዋር መሓመድ፣ኣቶ በቀለ ገርባ ከምኡ'ውን ኣባል መሪሕነት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝኾኑ ኮሎኔል ገመቹ ኣያናን ካልኦት እሱራትን "ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይፍፀመና ኣሎ’' ዝብሉዎ ፀገምን ፖለቲካዊ ኩነታትን ብምቅዋም ኣብ ናይ ጥምየት ኣድማ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እቲ ጉዳይ ብምምርማር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ይዘራረበሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ናይ ጥምየት ኣድማ ካብ ዝጅመሩ ሓደ ሰሙን ከምዘቑጸረ'ውን ተሓቢሩ'ሎ። ኣባላት ስድራ ናብ መአረሚ ማእከል ቃሊቲ መግቢ ሒዞምሎም እንተኸዱ እውን ከምዘይተቐበሉዎም ገሊፆም ኣለው።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ዙሪያ ዞባ ኦሮሚያ ፊንፊኔ ዝተኣሰሩ ኣባላት ኣመራርሓ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንሳልሳይ መዓልቲ ናይ ጥምየት ኣድማ የካይዱ ከምዘለው ጠበቓ ኣቶ ቱሊ በይሳ ገሊፆም።

ሰበስልጣን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ናብ ቤት ማእሰርቲ ቃሊቲ ከይዶም ንእሱራት ከምዝርኣዩዎም ዝገለፁ ኣማኻሪ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣቶ ኢማድ ዓብዱልፈታህ ምስ በዓል ኣቶ ጀዋር መሓመድን ምምሕዳር ቤትማእሰርቲን ምዝርራቦም ሓቢሮም ።

XS
SM
MD
LG