ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ዓንዶም ገብረስላሰ፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ወጺኤ ሓሳበይ ስለዝገለጽኩ፡ ካብ ሓላፍነተይ ከልግስ ተገይረ ኢሉ


ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኼሽን ክልል ትግራይ ዝነበረ ኣቶ ዓንዶም ገብረስላሰ፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ወጺኤ ሓሳበይ ስለዝገለጽኩ፡ ካብ ሓላፍነተይ ከልግስ ተገይረ ኢሉ።

ኣብዚ ጉዳይ ካብ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምላሽ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ዝተገብረ ጻዕሪ ከምዘይሰለጠ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ከተማ መቐለ ሓቢሩ'ሎ።

ብዘይካዚ ካብ ኣቶ ዓንዶም ብተወሳኺ፡ ቪኦኤ ካብ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ እሙናት ምንጭታት ከምዝፈለጦ እንተኾይኑ ሓላፊ ቢሮ ኮንስትራክሽን፣ መንገድን ትራንስፖርትን ኢንጂነር ኣሉላ ሃብተኣብ`ውን ካብ ስልጣኑ ተባሪሩ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG