ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ክብሮም በርሀ ብዋሕስ ተፈቲሖም


ኣቶ ክብሮም በርሀ
ኣቶ ክብሮም በርሀ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ልደታ መጋባእያ ኣቶ ክብሮም በርሀ ብዋሕስ ንኽወፁ ብዝሃቦ ውሳነ ሎሚ ሰኑይ ተፈቲሖም ኣለው። ድምፂ ኣመሪካ ፖለቲከኛ ኣቶ ክብሮም በርሀ ከም ዝተፈትሑ ካብ ባዕሎም ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ሓላፊ ጉዳይ ወፃኢ ውድብ ባይቶና ዝኾኑ ኣቶ ክብሮም ብዋሕስ ክፍትሑ ቤት ፍርዲ ዝወሰነ ዝሓለፈ ዓርቢ እኳ እንተነበረ እቲ ውሳነ ሎሚ’ዩ ተፈፂሙ።

ቅድም ክብል ዓቃብ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ክብሮም ክሲ ክምስርት ናይ 10 መዓልቲ ቆፀሮ ተዋሂቡዎ እኳ እንተነበረ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ክሲ ክቐርብ ኣይከኣለን። ፖሊስ ዝሓተቶ ናይ 14 መዓልቲ ተወሳኺ ናይ ምርመራ ጊዜ'ውን ብቤት ፍርዲ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ኣቶ ክብሮም በርሀ ዝርከቡዎም ሓሙሽተ ሰባት ነቲ ብመንግስቲ ፌደራል ፈጣሪ ራዕዲ ተባሂሉ ዝተሰየመ ህወሓት ሓገዝ ገንዘብ ብምሃብን ጎንፂ ዘጎሃህሩ መልእኽታት ብማሕበራዊ ሚድያ ብምንዛሕን ገበን ተጠርጢሮም 27 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ነይሮም። ናይቶም ተጠርጠርቲ ጉዳይ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ክረአ ዝጀመረ 25 ነሓሰ 2014 ዓ.ም እዩ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG