ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ሓላፊ ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኾይኖም ተመዚዞም


ፋይል
ፋይል

እዚ ዜና ነቲ ኣቐዲሙ ዝተዘግሓ ቤልለኔ ስዩም ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ክፍሊ ፕረስ ተላዒለን ዝብል ጸብጻብ ዝእርም’ዩ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ቅድም ክብል ዳይረክተር ኮሚኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ዝነበሩን ኣብዚ ሕጂ እዋን ብመዝነት ምክትል ምምሕዳር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለው ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ሓላፊ ፕረስ ቤት ፅሕፈቶም ክኾኑ ሸይሞምዎም።

ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ሓላፊ ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኮይኖም እንተሾሙ እዃ ንዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ነቲ ቤት ጽሕፈት ብሓላፍነት ክመርሓ ዝጸንሓ ቢልለኔ ስዩም ግን ካብ ሓላፊነተን ከምዘይተላዕላ ምንጭታት ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ኣለው።

ኣቐዲሙ ዝተዘግሓ ቢልለኔ ካብ መዝነተን ተላዒለን ዝብል ጸብጻብ ጌጋ ምኳኑን ንሰን ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረስ ቀዳማይ ሚንስትር ምክትል ኮይነን ኣቐዲመን ክሰርሕኦ ዝጸንሓ ስራሕ ከምዝቕጽላ እቶም ምንጭታት ወሲኾም ኣረዲኦም ኣለው።

እዞም ምንጭታት መዝነት ቢልለኔ እንተዘይገለጹ እዃ መሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ግን ሎሚ ሓላፊት ቋንቋታት ወጻኢን ንዲጂታል ክፍሊን ክብል ምጥቓሰን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG