ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ በረኸት ስምኦን ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም


ኣቶ በረኸት ስሞኦን - ፋይል
ኣቶ በረኸት ስሞኦን - ፋይል

ኣቶ በረኸት ሎሚ 25 ጥሪ 2023/17 ጥሪ 2015 ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ናይ ማእሰርቲ ግዚኦም ወዲኦም ምዃኖም ጠበቓኦም ህይወት ሊላይ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢረን ኣለዋ።

ኣቶ በረኸት ኣብ ኮርፐረሽን ጥረት ኣካቢ ቦርድ ኮይኖም ኣብ ዝሰርሕሉ እዋን ገበን ፈጺሞም'ዮም ብዝብል ክሲ ኣብ 2011 ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ኮይኖም፡ ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ክርአ ጸኒሑ'ዩ። ነቲ ጉዳይ ዝርእይ ዝነበረ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ክልል ኣምሓራ "ንስራሕ ምቹእ ዘይኮነ ኣመራርሓ" ብዝብል ክሲ ንሽዱሽተ ዓመትን 10,000 ሽሕ ብርን መቕጻዕቲ ወሲኑሎም።

እቲ መጋባእያ ኣቶ በረኸት ንህዝቢን ሃገርን ዘመሓደረሉ ዘበርኸትዎን ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ መቕጻዕቲ ክፋኾስ ሓቲቱ ምንባሩ ይዝከር።

ኣቶ በረኸት ተወሳኺ ኣብ ዳሽን ቢራ ናይ ኣክስዮን መሸጣ ግቡእ ዘይምንባሩ፡ ምስ ናይ እንግሊዝ ዱየትስ ቢቬርትስ ዝተባህለ ትካል ዝተበጽሐ ስምምዕ ብዝምልከት ናይ ገንዘብ ምጥፍፋእን እቲ ትካል ናብ ጥረት ከእትዎ ዝነበረ ገንዘብ ኣየእተወን ዝብሉ ክሲታት ቀሪብሎም ምንባሩ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG