ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዎም ተሓቢሩ


ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ሎሚ ዓርቢ ብፌደራል ፖሊስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዎም ብዝተፈላለዩ ስሩዕን ማሕበራዊን ሚዲያ ዝተገለፀ ክኸውን ከሎ ብፍላይ ኣውሎ ሚዲያ ንዝተባህለ ትካል ባዕሎም ደዊሎም ከምተዛረቡ ፀብፂቡ ኣሎ።

ቤት ፍርዲ ከተማ ቢሸፍቱ 3 ሓምለ 2012 ዓ\ም ብዘሕለፎ ትእዛዝ ክትሓዙ ምውሳኑ ናይ ፖሊስ መዝገብ ይገልፅ።

ፖሊስ ከተማ ቢሾፍቱ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳቤ ተጠርጣሪ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ዝተፈጥረ ህውከት ብምውዳድን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ብምግባርን ስለዝተጠርጠረ ተታሒዙ ንክቐርብ ፃውዒት እንተተገበረሉ እውን ክቐርብ ስለዘይክኣለ ሒዝናዮ ንምቕራብ ትእዛዝ ክወሃበና ዝብል ሕቶ ከምዝቐረበሉ እቲ ቤት ፍርዲ የዘኻኽር።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣብዝሃቦ ትእዛዝ ናይ ኣመልካቲ ሕቶ ዘእምን ብምዃኑ ተጠርጣሪ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ውዒሉ ኣብ ውሽጢ 48 ስዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ክቕርቦ ኣዚዙ ኣሎ።

ብመሰረት ፀብፃብ ኣውሎ ሚዲያ ግን ኣቶ ልደቱ ካብ ፌደራል ፖሊስ ስልኪ ተደዊልሎም ብድልየቶም ከምዝኸዱ ይገልጽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሓይልታት ፀጥታ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝኣተውኣባል ኣመራርሓ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ ደጀኔ ጣፋ ብቫይረስኮሮና ተታሒዞም ኣብ ሕክምና ከምዝርከቡ ተፈሊጡ።

ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ናይ ኦሮሚያ ሚዲያ ኔትዎርክ(OMN)ን ሓደ ኬንያዊ ጋዜጠኛን እውን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምውዓሎም ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ፌደራል ዓቃቢ ሕጊ ሓላፊ ምርመራ ዝተዋደደ ገበንን ገበናት ተሳገርቲ ዶብን ኣቶ ፈቃዱ ፀጋ እቶም ጋዜጠኛታት ብሄር ምስ ብሄር ብምልዕዓልን ህውከት ብምቕስቓስን ተጠርጢሮም እዮም ተታሒዞም ዘለው ኢሎም ኣለው ።

XS
SM
MD
LG