ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ለማ መገርሳ ኣብ ፈረንሳ ብዛዕባ ምሕያል ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ዘትዩ


ሚንስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣቶ ለማ መገርሳ ዝመርሖ ላዕላዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ምስ ሚንስትር ዴኤታ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ተራኺቡ ዝዝተየ ከኸውን ምስ ሚንስተር ምክልኻልን ምስ ወታሃደራዊ ሓለቓ ስታፍን`ውን ክዘራረብ`ዩ።

ዕላማ`ቲ ዑደት፡ ኣብ ዓውድታት ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ዝውሃብ ስልጠና ኸምኡ`ውን ቀረባት ወታሃደራዊ ንዋት ዘለዎም ምትሕብባር ንምሕያል ዘኽእል`ዩ-ክብል ጸብጻብ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ፋና ሓቢሩ'ሎ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ፈረንሳ ዑደት ይገብር ኣሎ። ኣቶ ለማ ቅድሚ ናብ ፈረንሳ ምግያሹ ምስ ቀ/ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ኣስመራ ተጓዒዙ ምንባሩ ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG