ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣትሌታት ሩስያን ቤላሩስን ኣብ ዓለምለኸ ውድድራት ከይሳተፉ ተኣጊዶም


ባንዴራ ሩስያ ኣብ ኦሎምፕክ ሓጋይ ፡ ፋይል
ባንዴራ ሩስያ ኣብ ኦሎምፕክ ሓጋይ ፡ ፋይል

ሩስያ ንዩክሬን ድሕሪ ምውራራ፡ ኣትሌታት ሩስያ ኣብ ውድድራት ስፖርት ከይሳተፉ ዝግበር እገዳ ቀጺሉ`ሎ። ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ትማሊ ሰሉስ፡ ኣትሌታት ሩስያ ኣብ ስፖርታዊ ከይወዳደሩ ኣጊዱ`ሎ።

ፍሉጥ ሩስያዊ ተወዳዳራይ ተኒስ ዝኾነ ዳኒል መድቨደቭ ዝርከቦም ሩስያውያንን በላሩስያውያንን ተጻወቲ ተኒስ ግን ክሳተፉ ተፈቒድሎም ኣሎ ይኹን ደአ እምበር ሃገራዊ ባንዴራኦም ክሕዙ ኣይፍቀደሎምን።

ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኣመሪካ ድሕሪ ምውራር ዩክሬን እቲ እገዳ ክግበር ክትደፍእ ምጽንሑ ተፈሊጡ`ሎ።

ብዝተሓሓዝ ዜና ኤውሮጳዊ ሕብረት ብመንግስቲ ሩስያ ዝዝወራ ስፑትኒክንራሻ ቱደይ (RT) ብሰንኪ ዝፍንወኦ ዝበሎ ተደጋጋሚ ዝንቡዕ ሓበሬታ ንናይ ኤውሮጳ ፍቓደን መንጢሉ።

ብኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ እዘን ክልተ መደበራት ዜና ዝተነብረ እገዳ፡ ፍርያተን ኣብ ኤውሮጳ ከይዝርግሓ ዝኽልክል’ዩ።

ማሕበራዊ መራኸቢታት ፈይስቡክ፡ ጉግል፡ ዩትዩብ፡ ቲክቶክን ትዊተርን ነዘን ክልተ መደበራት ዜና ኣብ ኤውሮጳ ከይዝርጋሓ ድሮ ከልኪለን ጸኒሐን። እቲ ጠለብ ብኤውሮጳዊ ሕብረት ድሕሪ ምቕራቡ’ዩ እቲ ስጉምቲ ተወሲዱ።

XS
SM
MD
LG