ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣተሓሕዛ ቫይረስኮሮና ኣብ ታንዛንያ ከምዘተሓሳሰቦም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ገሊጾም


ኣብ መላእ ዓለም ዝተኸሰተ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፣ ኣብ ታንዛንያ ዕሽሽ ዝተባሃለሉ ኣገባብ ከምዘሻቅሎት ኣብ’ታ ሃገር ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ገሊጾም።

ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ይዋሃብ ዘሎ ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ኣብ ታንዛንያ ይዋሃብ ከምዘየለ’ውን ጠቂሶም።

ሓደ በቲ ቫይረስ ዝሓመመ ኢትዮጵያ፣ ንሓኪማት ሓገዝ ሓቲቱ ከምዝተከልከለ፣ እንተኾነ ክሳብ ሎሚ ብኮቪድ 19 ሓሚሙ ዝሞተ ኢትዮጵያ ከምዘየለ ርእይቶኦም ዝሃቡ ኢትዮጵያዊያን ገሊጾም ኣለው።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ታንዛንያ ዮናስ ዮሴፍ "ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ 19፣ ስደተኛታት ንዓዶም ናይ ምምላስ ስራሕ ከምዝቀጸለን፣ ብቫይረስ ኮሮና ዝሓመሙ ሰባት ክሳብ ዝሕሾም ኣብ ዘለውዎ ንክጸንሑ ከምዝግበርን፣ ዛጊት በቲ ሕማም ዝዓረፈ ኢትዮጵያዊ ከምዘየለ" ገሊጾም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ፕረዚደንት ታንዛንያ ሳምያ ሱሉሁ ሓሰን "ኣብ’ዚ ቀረባ ብዝዓረፉ ፕረዚደንት ጆን ሙጉፉሊ ተዓጽየን ዝነበራ መሓውራት ዜና ናብ ስርሐን ከምዝምለሳ፣ ለበዳ ኮቪድ 19 ንምክልኻል ሳይንሳዊ ኣገባብ ከምዝኽተላ" ኣፍሊጠን።

ሓዳስ ፕረዚደንት ታንዛንያ ነዚ ርእይቶ’ዚ ዝሃባ "ንሓድሽ መዝነት ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣብ ዝኸፈታሉ እዋን’ዩ። ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ዝሓለፉ ፕረዚደንት ዝተዓጸዋ መሓውራት ዜና ዝተነበረ እገዳታት ንክላዓል’ውን ጸዊዔን።

እተን ፕረዚደንት"ገለ መሓውራት ዜና ከምዝተዓጸዋ ሰሚዔ፣ ክፈትወን። እንተኾነ ንመምርሒን ሕጊን ንክኽተላ መዓዱወን" ኢለን ።

XS
SM
MD
LG