ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቦ መንበር ግዚያዊ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ኣስመራ ኣትዩ


ኣቦ መንበር ግዝያዊ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌተናል ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣል ቡራን ሎሚ ንግሆ ኣስመራ ኣትዩ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተረኺቦም ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎም ሚንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሮም ኣለው።

ኣብቲ ርክብ ፕረ. ኢሳያስ ሃገሮም ንህዝባዊ ተቓውሞ ሱዳን ዘለዎ ድጋፍ ደጊሞም ብምርግጋጽ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ሱዳንን ህዝቢ’ታ ሃገር ብሓፈሻ ኣብዚ ናይታ ሃገር ተአፋፊ ናይ ምስግጋር እዋን ተሳትፎኦም ከበርክቱ ጻውዒቶም ኣቕሪቦም ኣለው።

ሌተናል ጀነራል ዓብድልፈታሕ ኣል ቡህራን ብወገኖም ኤርትራ ኣብ ህልው ኩነታት ሱዳን ዘለዋ መርገጺ ኣመስጊኖም፡ "እዚ መርኣያ ‘ቲ ታሪኻዊ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት’ዩ” ኢሎም።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝሓለፈ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝጸንሓ ዘየድልይ ውጥረት ንክልቲኡ ወገናት ከምዝጎደአ ብምግላጽ እንተኾነ ግን ንመጻኢ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ንምዕባይ ዘለዎም ድልውነት ገሊጾም።

ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ዑደት ዘካየደ ልኡኽ ሱዳን ሎሚ ዓርቢ አጋ ምሽት ናብ ሃገሩ ተመሊሱ’ሎ።

ምሉእ ዝርዝር ኣብ ናይ ሎሚ ፈነወ ተኸታተሉ።

XS
SM
MD
LG