ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቦ መንበር ዓረና ትግራይ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ምእሳሩ ተገሊጹ


ኣቶ ኣብርሃ ደስታ
ኣቶ ኣብርሃ ደስታ

ኣቦ ወንበር ዓረና ትግራይ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ዝሓለፈ ሓሙስ ብፖሊስ ከምዝተኣሰረ ጠብቕኡ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፁ።

ህወሓት ካብ ናይ ክልል ትግራይ ምምሕዳር ምስተኣለየ ብመንግስቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንትግራይ ከመሓድር ኣብ ዝተሸመ ግዚያዊ ምምሕዳር ሓላፊ ቢሮማሕበራዊ ጉዳይ ዝነበረ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ምስ ምንኣስ ሓዉ ገብረህይወት ደስታ 20 መስከረም 2014 ዓ\ም ኣብቐይዲ ምእታው ጠብቕኡ ኣቶ ተስፍኣለም በርሀ ገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ተኣሲሮም ዝነበሩን ብዋሕስ ዝተፈትሑን 13 ናይ እንጠጦ ኪዳነምህረት መነኮሳትን ኣቕሽትን ሓዊሱ ናይ ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ጠበቓ ምዃኑ ዝገለጸ ኣቶ ተስፍኣለም ንእሽተይ ሓው ንኣብርሃም ሰራሕተኛ ባንኪ ምዃኑን ኣብ ፖለቲካ ዝኾነ ይኹን ተሳትፎ ከምዘይብሉን ሓቢሩ።

ስቪላት ዜጋታት ብዘይኣግባብ ይከላበቱ ምህላዎም ንቤት ፍርዲ ብተደጋጋሚ ነተሓሳስብኢና ዘለና ዝበለ ኣቶ ተስፍኣለም ዝካየድ ዘሎ ዳርጋ ሓፈሳ እዩ፤ እቲ ዝቐርብ ናይ ክሲጥርጣረ ድማ ምልዕዓል ህውከትን ምስ ህውሓት ርክብ ብምፍጣርን ዝብሉ ሓደ ዓይነት ብዝብሃሉ ጥርጣረታት ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርቡ ሓቢሩ።

ተኸሲሱ በዚ ገበነኛ ዝተብሃለን ዝተፈረዶን ተጠርጣሪ ድማ ክሳብ ሎሚ ዋላ ሓደየለን ኢሉ።

XS
SM
MD
LG