ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቦ መንበር ውድብ ዓረና ትግራይ ዝነበሩ ኣይተ ብርሃኑ በርሀ ዓሪፎም


ኣቦ መንበር ውድብ ዓረና ትግራይ ዝነበሩ ኣይተ ብርሃኑ በርሀ ዓሪፎም::

ኣይተ ብርሃኑ በርሀ ብዝሓደሮም ሕማም ኣብ ኣሜሪካ ክሕከሙ ድሕሪ ምፅናሕ ዝሓለፈ ሰሙን ዓሪፎም: ስነ ስርዓት ቀብሮም እውን ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ተፈፂሙ::

ኣብ ክልል ትግራይ ፈለማ ሰላማዊ ቃልሲ ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ትግራይ ንሉአላውነትን ዲሞክራሲን ካብ ዝመስረቱን ነቲ ውድብ እውን ብኣቦ መንበርነት ዝመርሑ ኣይተ ብርሃኑ በርሀ ይፍጠር ብዝሓደሮም ሕማም ክሕከሙ ድሕሪ ምፅናሕ ናብ ኣሜሪካ ንዝሓሸ ሕክምና ድሕሪ ምኻዶም 3 ሓምለ 2011 ህይወቶም ሓሊፋ:: ስነ ስርዓት ቀብሮም ድማ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ፅርሃኣርያም ቅዱስ ገብርኤል ቤተክርስቲያን ስድራቤት: ፈተውቶም: መቓልስቶምን ካልኦትን ኣብ ዝተረኸብሉ ተፈፂሙ::

ታሪኽ ህይወት አይተ ብርሃኑ በርሀ ከምዘርእዮ ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ ዓዲደቂዓላ ኣብ ዝበሃል ከባቢ 1953 ዓ. ም ተወሊዶም:: ኣብ 1968 ዓ.ም ናይ ህወሓት ሕቡዕ ስርዒት ከተማ ብምዃን ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ጀሚሮም:: በቲ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሶም ድማ ካብ 1971 ክሳብ 1978 ዓ.ም ብኣግኣዚ ኦፕሬሽን ካብ ማእሰርቲ ክሳብ ዝወፁ ተኣሲሮም ኔሮም:: ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወፁ ምስ ህወሓት ብምኳን ተቓሊሶም:: ድሕሪ ለውጢ መንግስቲ: ኣባል ባይቶ ክልል ትግራይን ብተወሳኺ ድማ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ እቲ ክልል ብምኳን ሰሪሖም:: ካብ መንግስታዊ ስራሕ ብምውፃእ ብውልቀ ስራሓት ጠበቓ ኮይኖም እውን ኣገልጊሎም::

ኣይተ ብርሃኑ ኣብ ሕጊ ዓሚቕ ፍልጠት ዝነበሮምን ንሕጊ ዝጣበቑ ምንባሮም ታሪኮም የረድእ:: ብተወሳኺ ድማ ንዝኣምንሉ ቅዋም ተሪሮም ዝቃለሱ ከምዝነበሩ ይገልፅ:: ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ድማ ኣብ 1997 ዓ.ም ብውልቀ መረፃ ተወዳዲሮም:: ኣብ ትግራይ ፈላማይ ናይ ሰላማዊ ቃልሲ ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ትግራይ ኣብ ዝተመስረተሉ ነቲ ውድብ ካብ ዝመስረቱ ሓደ እዮም ኔሮም:: ንዓረና እውን ብኣቦ መንበርነት ንሰለስተ ዓመታት መሪሖም:: ኣብ መፋርቕ 2009 ዓ.ም ካብ ኣቦ መንበርነት ምስ ወረዱ ድማ ክሳብ ህይወቶም ዝሓለፈሉ እዋን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ እቲ ውድብ እዮም ነይሮም::

ኣይተ ብርሃኑ በርሀ ኣብ 58 ዓመቶም ዕድሚኦም ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈለዩ ኽኮኑ ከለው ኣቦ 4 ቆልዑ ነይሮም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣቦ መንበር ውድብ ዓረና ትግራይ ዝነበሩ ኣይተ ብርሃኑ በርሀ ዓሪፎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:58 0:00

XS
SM
MD
LG