ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝወሰዶ ወታሃደራዊ ወፍሪ "ሕጋዊ`ዩ" ኢሉ


ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝወሰዶ ወታሃደራዊ ወፍሪ "ሕጋዊ`ዩ" ኢሉ።

ሙሳ ፋቂ ኣብ ኣኼባ ኢጋድ ክዛረብ ከሎ፥ "ንናይ`ታ ሃገር ሓድነትን ምርግጋእን ከምኡ`ውን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንምኽባር ዝተወስደ ቆራጽ ስጉምቲ`ዩ" ኢሉ።

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዘስምዖ ቃል "ከም ዲፕሎማሲያዊ ዓወት`ዩ ዝቑጸር" ዝበለ መንግስቲ ኢትዮጵያ፥ እቲ መርገጺ ናይ ኢጋድ ኮነ ናይቲ ሕብረት ኣባላት መርገጺ`ዩ ኢሉ።

ብኻልእ ወገን፥ሓባራዊ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ንዝተፈጥረ ግጭት ንምርኣይ ከምዝዘራረብ ተሓቢሩ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG