ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቦ መንበር ኦፌኮ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናይ ገዛ ማሕዩር ከፊል ምንቅስቃስ ከምዝተፈቐደሎም ይግለጽ'ሎ


ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ
ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ

ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናይ ገዛ ማሕዩር ትማሊ ኣብ ኣደባባይ ከምዝተራእዩ ይግለጽ ኣሎ።

እንተኾነ ኦፌኮ ሕጂ'ውን ካብ ክትትል ኣባላት ጸጥታ ናጻ ኣይኮኑን ኢሉ'ሎ። ኣቶ ዳውድ ትማሊ ኣብ ኣደባባይ ዝተራእዩ ኣብ ናይ ሰልፎም ኣኼባ ንምስታፍ ምዃኑ ንድምጺ ኣመሪካ ዝገለጸ ወሃቢ ቓሎም ኣቶ ዋቆ ኖሌ፡ ብናጻ ክንቀሳቐሱ ኣብ ልዕሊኦም ዝተነብረ ደረት ኣይተላዕለን ኢሎም።

እቲ ምፍቃድ ከፊል ምንቅስቓስ ዝስማዕ ዘሎ፡ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ናብ ኮሚሽን ፖሊስን ሃገራዊ ድሕነትን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ናይ ምንቅስቓስ መሰሎም ምድራቱ ኣገባብ ኣይኮነን ብዝብል ናጻ ክኾኑ ድሕሪ ምሕታቱ`ዩ። እንተኾነ ኣቶ ዋቆ ሕጂ`ውን ብስልኪ ኮነ ምስ ብጾቶም ብናጻ ክራኸቡ ኣይክኣሉን ይብል ።

ብዛዕባ`ዚ ቪኦኤ ካብ ፖሊስ ኮነ ካብ ሃገራዊ ድሕነት ርኢቶ ንምስማዕ ዝገበሮ ፈተነ ኣይተዓወተን።


ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ብኻልእ ወገን፡ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንመርሓ ቦርዱ ተኸቲሉ ዘሰጉሞ ዘሎ ጉዳይ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት`ዩ ክብል ኣወንታዊ ርኢትኡ ኣስሚዑ`ሎ፡ ከም ጸብጻብ ጸሃይ ዳምጠው።

XS
SM
MD
LG