ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቦ መንበራት ሕብረት ኣፍሪቃን ኮሚሽን'ቲ ሕብረትን ኣብ ጉዳይ ዩክሬን ጻውዒቶም ኣቕሪቦም


AU logo
AU logo


ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ሰኔጋል ማኪ ሳልን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃመትን "ዕቱብን ሓደገኛን ኩነታት" ክብሉ ዝገለጽዎ ኩነታት ዩክሬን ከምዘተሓሳሰቦም ገሊጾም።

ክልቲኦም መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ሰዓታት ምሸት ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ናይ ሩስያ ፈደረሽንን ካልኦት ኣብቲ ኩነታት ተሳተፊ ዝኮኑ ከባቢያዊያን ኣህጉራዊያን አካላት ንዓለምለኸ ሕጊ: ንግዝኣታዊ ሓድነትን ሉኣላዊነትን ዩክሬን ከኽብሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣቦ መንበራት ሕብረት ኣፍሪቃን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ብተወሳኺ ክልቲኦም ወገናት ብቅልጡፍ ተኹሲ ደው ከብሉን ንመላእ ዓለም ካብ ቀውሲን ሳዕቤን ንምክልኻል ኣብ ውሽጢ ዓለምለኸ ዝምድና ንሰላምን ምርግጋእን ንምዕቓብ ብስም ኩሉ ህዝቢ ዓለም ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት ብዘይምድንጓይ ፖለቲካዊ ልዝብ ክጅምሩ ጻውዒቶም ምቕራቦም ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG