ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ 4 ግዝኣታት ኣመሪካ ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅ 46 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኒው ጀርሲ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅ
ኣብ ኒው ጀርሲ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅ

ኣብ ኣመሪካ ሰበስልጣን ክፍለ ግዝኣታት ኒውዮርክ፣ኒው ጀርሲ፣ ፔንስለቨኒያ፣ ከነትኬትን ሜሪላንድን ህቦቡላ ሄሪከን ኣይዳ ዘልዓኦ ከቢድ ዝናብ ስዒቡ ትማሊ ሓሙስ 46 ሰባት ብውሑጅ ከምዝሞቱ ገሊፆም።

ኣብ ከተማ ኒውዮርክን ክፋል ወሰና ወሰን ዌስትቸስተርን ኣብ ውሽጢ ገዛውቶም ታሕተዋይ ክፍሊ /ቤዝመንትን ኣብ መኪንኦምን ከለው 16 ሰባት ብውሑጅ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ሰበስልጣን ሓቢሮም።

ብዙሓት ጎደናታት ብቕልጡፍ ናብ ሩባታት ተቐይረን መካይን ዋላ እውን ናይ ህዝቢ መጎዓዚያ ኣውቶቡሳት ተዋሒጠንን።ዝበዝሕ ስርዓት ባቡር ውሽጢ መሬት ብሰንኪ እቲ ውሑጅ ተዓፂዩ ምንባሩን ተገሊጹ።

XS
SM
MD
LG